7 መንገዲ ፃድቃን ቅንዕቲ እያ፤ ኣታ ቕኑዕ ዝኾንካ፥ መንገዲ ፃድቃን ተቕንዕ ኢኻ።
ኦ ኣምላኸይ! ንስኻ ልቢ ኸም እትምርምር፥ ብቕንዕናውን ከም እትሕጐስ እፈልጥ ኣለኹ። ኣነ ኸዓ እዝ ዅሉ ብቕንዕና ልበይ ብድሌት ኣቕሪበልካ ኣለኹ። ሕዚ ድማ እዝ ኣብዙይ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኸቕርበልካ እንተሎ ብሓጐስ ሪአ ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ብቕኑዕ ሚዛን ይምዘነኒ፤ ንፁህ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጥ እዩ።
እግዚኣብሄር ንመንገዲ ፃድቃን ይፈልጦ እዩሞ፤ መንገዲ ክፉኣት ግና ኽትጠፍእ እያ።
እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፤ እግዚኣብሄር ዙፋኑ ኣብ ሰማይ እዩ፤ ኣዒንቱ ናብ ድኻ ይጥምታ፤ ቀራንብቱውን ንደቂ ሰብ ይምርምራ።
እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩሞ፥ ፅድቂ ኸዓ ይፈቱ፤ ቅንዕና ግና ንገፁ ትሪኦ።
ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ኣመልክተኒ፤ ኣሰርካውን መሃረኒ።
ንስኻ ናይ ምድሓነይ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፥ ብሓቅኻ ምርሐኒ፤ መሃረኒውን፤ ኵልሻዕ ኣባኻ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ መሃረኒ፤ ምእንቲ ፀላእተይውን ብቕኑዕ መንገዲ ምርሐኒ።
ኣብ ኣንደበቶም ሓቂ የለን፤ ልቦምውን ከንቱ እዩ፤ ጐሮሮኦም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብመልሓሶምውን ይጥብሩ።
ንፍፁም ሰብ፥ ፅድቁ፥ ንመንገዱ የቕንዐሉ፤ ንሓጥእ ግና ሓጢኣቱ የውድቖ።
ፃድቕ ብዘይ ነውሪ ይነብር፤ ብድሕሪኡ ኸዓ ደቁ ቡሩኻት እዮም።
መንገዲ በደለኛ ቐይናን እያ፤ ንፁህ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ።
ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።
መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።
እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።
ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
“ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤ ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤ ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤ ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ። እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።
እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፥ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፥ ብታህዋኽ ኣይትወፁን፤ ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም።
ናብ ሰላም ይኣቱ፤ እቶም ብቕንዕና ዝነብሩ ኣብ መደቀሲኦም ይዓርፉ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ህይወት ሰብ፥ ኣብ ኢዱ ኸም ዘይኮነት እፈልጥ እየ፤ ኣካይዳኡውን ኣቕኒዑ ኽመርሕ፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን።
ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕል ጠቢብ፥ ዝፈልጦ መስተውዓሊኸ መን እዩ? መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ፃድቃን ብእኡ ይመላለሱ፤ ዓመፅቲ ግና ይሰናኸሉ።
ኣብ ማእኸላ ዘሎ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ፤ ክፉእውን ኣይገብርን፤ ንግሆ ንግሆ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውፅእ፥ ተሓቢኡውን ኣይተርፍን እዩ፤ እቲ ዓማፂ ግና ኣይሓንኽን።
ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ክቕበል እዩ።
ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና።
ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ፅድቂ ዘይገብርን፥ ንሓዉ ዘየፍቅርን፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ደቂ እግዚኣብሄርን፥ ደቂ ዲያብሎስን፥ በዙይ እዮም ዝፍለጡ።
ደቀይ፥ ሓደኳ ኣየስሕትኩም፤ ከምቲ ክርስቶስ ፃድቕ ዝኾነ፥ እቲ ፅድቂ ዝገብር ከዓ፥ ፃድቕ እዩ።