3 በኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፥ እዛ በኣኻ እትእመን ነፍሲ፥ ፈፂምካ ብሰላም ክትሕልዋ ኢኻ።
ናብ እግዚኣብሄር ስለ ዘእወዩ እግዚኣብሄር ከዓ ረድኦም፤ ንሃግራውያንን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎምን ከዓ ኣብ ኣእዳዎም ኣሕሊፉ ሃቦም። በቲ ጊዜ ውግእ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ እሞ፥ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ሰምዖም።
በዝ ኸምዙይ ህዝቢ እስራኤል ተዋረዱ፤ ህዝቢ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝኣመኑ ሰዓሩ።
ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ብዙሕ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ዝነበርዎም ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን? ኣብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተኣማመንካ ግና፥ ንኣኣቶም ኣሕሊፉ ኣብ ኢድካ ሃበካ።
እቶም ንሕግኻ ዘፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፤ ዘዕንቅፎምውን የለን።
እቶም ብእግዚኣብሄር ዝተኣመኑ፥ እንተይተናወፀ ንዘለኣለም ከም ዝነብር፥ ከም እምባ ፅዮን እዮም።
ኦ ጐይታ፥ ኵሎም እቶም ስምካ ዝፈልጡ ብኣኻ ይተኣመኑ፤ ነቶም ዝደልዩኻውን ኣይትሓድጎምን ኢኻሞ።
እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤ ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።
ንዅሉ ተግባርና እትፍፅመልና ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ።
ወይ ከዓ ምሳይ ሰላም ይግበር፤ ንሓይለይ ይሓዝ፤ ምሳይ ሰላም ይግበር።
ናብ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዘይምልከቱ፥ ንእግዚኣብሄርውን ዘይደልዩ፥ ግና ሓገዝ ደልዮም ናብ ግብፂ ንዝወርዱ፥ በፍራስ ንዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሰረገላታት የመናውን ብርቱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብጕልበት ፈረሰኛታት ዝምክሑ ወይለኦም!
ናይ ፅድቂ ስራሕ ሰላም፥ ናይ ፅድቂ ፍረ ድማ፥ ንዘለኣለም ህድኣትን ምትእምማንን ክኸውን እዩ።
ህዝበይ ከዓ ሰላም ኣብ ዘለዎ መሕደሪን ኣብ ዘተኣማምን ኣባይትን፥ ህድኣት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ዕረፍትን ክነብር እዩ።
እንትርፊ ባርያይ፥ ዕዉር መን እዩ? ከምቲ ዝልእኾ ልኡኸይ፥ ፀማምከ መን እዩ? ከም ፈታዊየይ ዕዉር፥ ከም ባርያ እግዚኣብሄር ዕዉር መን እዩ?
“ኣነ እግዚኣብሄር ብፅድቂ ፀዋዕኹኻ፤ ኢድካ ኽሕዝ እየ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንህዝቢ ቓል ኪዳን፥ ንኣህዛብ ድማ ብርሃን ገበርኩኻ።
ብስም ተቐማጦ እታ ቕድስቲ ኸተማ ዝተፀዋዕኹም፥ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት ብዝብሃል ኣምላኽ እስራኤል እትድገፉ፥ ቤት ያእቆብ ነዙይ ስምዑ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ሕርይቲ ጊዜ ሰማዕኹኻ፤ ብመዓልቲ ምድሓን ከዓ ረዳእኩኻ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንምድሪ ኽተቕንዕ፥ ዝባደሙ ርስትታት ክተውርስ፥
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ንሰላም፥ ከም ፈሳሲ ሩባ፥ ንናይ መንግስታት ሃብቲ ኸዓ፥ ከም ብርቱዕ ውሕጅ ከፍስሰላ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ኽትጠብዉ፥ ኣብ ማእገሮም ክስከሙኹም፥ ኣብ ኣብራኾም ከሰራስሩኹም እዮም።
ኣባይ ስለ ዝተኣመንካ፥ ኣነ ብርግፅ ከድሕነካ እየ። ንህይወትካ ኽተድሕና ኢኻ እምበር ብሰይፊ ውግእ ኣይትወድቕን ኢኻ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኦ ንጉስ፥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸድሕነና ይኽእል እዩ፤ ካብ ኢድካውን ከናግፈና እዩ።
ናቡከደነፆር ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱን ኢሎም፥ ንሰብነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፥ ኣብኡ ተኣሚኖም ንቓል ንጉስ ዘይተኣዘዙ፥ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘድሓኖም፥ እቲ ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ይባረኽ።”
ሽዑ እቲ ንጉስ እምብዛ ተሓጐሰ፤ ንዳንኤል ከዓ ኻብቲ ጕድጓድ ከውፅእዎ ኣዘዘ፤ ኣውፅእዎውን። ኣብ ኣምላኹ ተኣሚኑ ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይረኸቦን።
ንሱ ንሰላም ክኸውን እዩ። ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ ኣተወ ምድርናውን ምስ ረገፀ፥ ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ ኣሕሉቕን ክነተስአሉ ኢና።
ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።
በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”
እምበኣር ብእምነት ካብ ፀደቕና፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ እግዚኣብሄር ሰላም ኣለና።
እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።