10 ንኽፉእ እንተ ራህራህኻሉ ፅድቂ ኣይመሃርን፤ ቅኑዓት ኣብ ዝነብሩሉ ምድሪ ኽፍኣት ይገብር፤ ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይሪኦን።
ግና ብኣኣ ኸዱ እምበር፥ ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ሓጢኣት ቤት ኢዮርብዓም ኣይረሓቑን። ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብ ሰማርያ ቖይማ ነበረት።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብዙሕ ጊዜ ኣድሓኖም፤ ንሳቶም ግና ብምኽሮም ኣቘጥዕዎ፤ ብሓጢኣቶም ከዓ ተዋረዱ።
ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፥ ፍቓድካ ኽፍፅም መሃረኒ፤ ቅዱስ መንፈስካውን፥ ብምድሪ ፅድቂ ይምርሐኒ።
ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቶም ሓጢኣት ወስኮም፤ ናብ ፅድቅኻውን ኣይእተዉ።
ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ንስኻን መኳንንትኻን ግና ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዘይትፈርሑ እፈልጥ እየ” በሎ።
ፈርዖን ከዓ ዝናምን በረድን ነጐድጓድን ከም ዝሓደገ ምስ ረአየ፥ ደጊሙ በደለ፤ ንሱን መኳንንቱንውን ልቦም ኣትረሩ።
ነቶም ዓያሹ፥ ካብ ጥበብ ምርሓቕ ክቐትሎም እዩ፤ ነቶም ደናቝር ከዓ፥ እቲ ሸለልትነቶም ከጥፍኦም እዩ።
ኣነውን ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክንዲ ፍትሒ ኽፍኣት፥ ክንዲ ፅድቅውን ክፍኣት ከም ዘሎ ረአኹ።
ክፉእ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩሞ፥ ስለዙይ ልቢ ደቂ ሰብ ክፉእ ንምግባር ዝተረረ እዩ።
እታ ፍትሒ መሊእዋ ዝነበረ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኣመንዝራ ኾነት! ቀደም ፍትሒ ዝነበራ፥ ሓቂውን ዝመልኣ ነበረት፤ ሕዚ ግና መሕደሪ ቐተልቲ ነፍሲ ኾነት።
ካብ ኣደንጋፂነት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ በዓትታት ኣእማን እቶ፤ ኣብ ውሽጢ መሬትውን ተሓባእ።
ሕጊ እግዚኣብሄር ስዒሮም፥ ስርዓቱውን ለዊጦም፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፥ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ረኸሰት፤
በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ዝጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።
ሰነፍ ስንፍና ይዛረብ፤ ልቡ ዝንጉዕነት ምእንቲ ኽፍፅም፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ስሕተት ምእንቲ ኽዛረብ፥ ንጥሙይ ጥራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ንፅሙእ ድማ ዝስተ ምእንቲ ኽኽልክል፥ ሕሰም ይዛረብ፤ ልቡ ኸዓ ኽፍኣት ይሰርሕ።
ኣቕሓ ህሩፍ ክፍእቲ እያ፤ ፅጉም ቅኑዕ ነገር ኣብ ዝናገረሉ፥ ንሱ ብቓል ሓሰት፥ ነቲ ድኻ ንምጥፋእ፥ ክፉእ ሓሳብ ይሓስብ።
ኣብ ድግሶም ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣሎ፤ ንግብሪ እግዚኣብሄር ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ኢዱ ዝገበረቶውን ኣይተመልከትዎን።
“ኣነ ድማ ፍሪኣን ሃብታን ምእንቲ ኽትበልዑ፥ ናብ ፈራዪት ምድሪ ኣእተኹኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣብኣ ምስ ኣተኹም፥ ንምድረይ ኣርከስክምዋ፤ ንርስተይውን ኣርከስኩምዋ።”
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንምርኮኣቶም ምስ መለስኩሎም፥ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብ ከተማታታን፥ ‘ኣታ መሕደሪ ፅድቂ፥ ኣታ እምባ ቅድስና፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ!’ ዝብል ቃል፥ መሊሶም ክናገሩ እዮም።”
ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።”
ስለዙይ ምስተዋፈሩ ፀገቡ፤ ምስ ፀገቡውን ልቦም ተዓበየ፤ ስለዙይ ረስዑኒ።
ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ኣይነብሩን እዮም፤ ኤፍሬምውን ናብ ግብፂ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ኣሶር ከዓ ርኹስ ምግቢ ኽበልዑ እዮም።
ብሰንኪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘምፅእ ርኽሰት፥ ኣብዝ ስፍራዙይ ዕረፍቲ የብልኩምንሞ ተስኡ ኺዱ።
ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፥ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ኣቖሞ።
“ያእቆብ ግና በልዐ ሃጠረ እሞ ተራግሐ፤ ሰብሐ፥ ገዘፈ፥ ሰፍሐ፤ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ሓደጎ፤ ንኰዅሒ ምድሓኑ ነዓቖ።
ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፥ ጊዜ ሂበያ ነይረ፤ ንሳ ግና፥ ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን።
ሳሙኤል ድማ “ንስኻ ንርእስኻ ንእሽተይ ጌርካ እንተ ገመትካያኳ፥ ሓለቓ ነገዳት እስራኤል ኮንካ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብአካ።