8 ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፥ ወኻዕታ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፥ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ እዩ።
እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፤ ዕልልታውን ኣይእተዋ።
ስለዙይ መሰንቆይ ንሓዘን፥ እምብልታይውን ንበኸይቲ ቓል ኮነ።”
መሰንቆታትና ኣብቲ ኣብኡ ዘሎ ኣእዋም ኲሓታት ሰቐልና፤
ኣብቲ ፈራዪ ገራሁ ሓጐስን ተድላን የለን። ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ደርፍን ዕልልታን የለን። ኣብ መፅመቚ ሓደ እኳ ወይኒ ዝረግፅ ሰብ የለን። ንዕልልታ ረጋፆ ወይኒ መወዳእታ ገይረሉ እየሞ።
ኣብ ድግሶም ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣሎ፤ ንግብሪ እግዚኣብሄር ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ኢዱ ዝገበረቶውን ኣይተመልከትዎን።
ስለዙይ ሲኦል ከብዳ ኣስፍሐት፤ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ከፈተት፤ እቶም ክቡራቶምን ዓበይቶምን ሃብታማቶምን ሕጉሳቶምን ናብኣ ኽወርዱ እዮም።
ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ካብዝ ስፍራ እዙይ ከወግድ እየ።
ካብኣቶም ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን፥ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ድምፂ መጥሓንን ብርሃን መብራህትን ከጥፍእ እየ።
እታ ሃገር እቲኣ ኽትባድም እያ፤ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን፥ ድምፂ መርዓትን ድምፂ መርዓውን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣረጋውያንና ደጊም ኣብ ባይቶ ኣይቕመጡን፤ መንእሰያት ከዓ ድምፂ በገናኦም ሓደጉ።
ንድምፂ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ቓና መሰንቆታትኪ ኣይስማዕን እዩ።
ንስኻ ኣብ ኤደን፥ ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ፤ በብዝዓይነቱ ዅሉ ኽቡር እምኒ ሰርድዮስ፥ ቶጳዝዮን፥ ኣልማዝ፥ ቢረሌ፥ መረግድ፥ ኢያሰጲድ፥ ሰንፔር፥ በሉር፥ ዘብረቕርቕ ዕንቍን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ፤ እቲ ኸበሮኻን እምብልታኻን ምሳኻ ነበረ፤ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ።
ንዅሉ ሓጐሳን በዓላታን፥ ንዅሉ ሰርቀ ወርሓን ሰናብታን፥ ዝተቀደሱ ኣኼባታታን፥ ከትርፍ እየ።
“ስለዙይ ሕዚ ምስቶም ኣቐዲሞም ዝማረኹ ኽትማረኹ ኢኹም። እቲ ኣብ ማእዲ እተውክዕዎ ዝነበርኩም ድማ ኽውዳእ እዩ።”
ድምፂ ቓነይቲ መሰንቆን፥ ድምፂ ደረፍትን፥ ነፋሕቲ እምብልታን፥ ድምፂ ነፋሕቲ መለኸትን፥ ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ፤ ዝኾነ ዓይነት ኢደ ጥበብ ዝሰርሕ፥ ኵሉ ጥበበኛ፥ ኣባኺ ኸቶ ኣይርከብን እዩ፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ድምፂ መጥሓን፥ ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ።