6 ስለዙይ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፤ እቶም ህዝባ ብበደሎም ክቕፅዑ እዮም። እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽቃፀሉን እናወሓዱን ክኸዱ እዮም።
ሽዑ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳን እኖኡን ሓሻኽሩን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ሹመኛታቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወፁ። ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ንኢኮንያን ሓዞ።
እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ግና ነቶም ድኻታት እታ ሃገር፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽዓዩን መሬት ክሓርሱን ኢሉ ሓደጎም።
እቲ ሓያል ከም ልሕፂ እንጣጢዕ፥ ስራሑውን ከም ቍልዒ ሓዊ ክኾኑ እዮም፤ ክልቲኦም ብሓደ ኽነዱ እዮም፤ ንኣኣቶም ዘጥፍእውን ሓደ እኳ የለን።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና።
ሰይፈይ ኣብ ሰማይ ኮይና ኽሳዕ እትረዊ ሰትያ ኣላ፤ እንሆ፥ ኣብ ኤዶምያስን፥ ኣብቲ ዝረገምክዎ ህዝብን፥ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።
ስለዙይ ንኣሕሉቕ ቤተ መቕደስካ ኣርከስክዎም፤ ንያእቆብ ንርግማን፥ ንእስራኤል ድማ ንፀርፊ ኣሕሊፈ ሃብክዎ።”
ንሕጊ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ፥ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኣቃሊሎምዎ እዮም እሞ፥ ከምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዘንድዶ፥ ንቑፅ ሳዕሪ ኸዓ ብሃልሃልታ ሞዅ ዝብል፥ ሱሮም ዝበዅበዀ ክኸውን፥ በቚሎም ከዓ ኸም በነንታ ኽበንን እዩ።
ብቝጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እታ ሃገር ትነድድ፤ እቲ ህዝቢ እውን ሓዊ ከም ዝበልዖ ዕንፀይቲ ይኸውን። ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይርህርህን።
ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ? ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ? ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥ ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት “እዝ ቓል እዙይ ስለ ዝተዛረቡ፥ እንሆ፥ ንቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ ኽገብሮ እየ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ኸም ዕንፀይቲ ኽገብሮ እየ እሞ፥ እቲ ሓዊ ኽበልዖም እዩ” ይብል ኣሎ።
ካብኡውን ውሑድ ዝቝፅረን ውሰድ እሞ፥ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ቛፅረን።
ንደቅኹም ዝቐትሉ፥ ንእንስሳኹም ዘጥፍኡ፥ መንገድኹም ክሳዕ ዝባድም ንቝፅርኹም ዘውሕዱ ኣራዊት ክሰደልኩም እየ።
ንስመይ ክብሪ ኽትህቡ እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ብልብኹምውን እንተ ዘይገበርኩምዎ፥ መርገም ክሰደልኩም፥ ንበረኸትኩምውን ክረግማ እየ። ሕዚ እውን ብልብኹም ኣይገበርኩምዎን እሞ፥ ኣነውን ረጊመያ ኣለኹ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንስኻትኩምን ኵሉ እቲ ህዝብን ስለ እትሰርቁኒ፥ ብመርገም ዝተረገምኩም ኢኹም።
“እንሆ፥ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመፅእ ኣላ፤ ኵሎም ዕቡያትን ገበርቲ ኽፉእን ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ሱር ወይ ጨንፈር እንተይሓደገት፥ ህሙኽ ኽተብሎም እያ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኣነ መፂአ ንምድሪ ብመርገም ከየጥፍኣስ፥ ንሱ ንልቢ ኣቦታት ናብ ደቆም፥ ንልቢ ደቂ ኸዓ ናብ ኣቦታቶም ክምልስ እዩ።”
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን፥ ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን!” ኢሎም መለሱሉ።
እታ ናብ ህይወት እትወስድ በሪ ግና ፀባብ እያ፤ መንገዳውን ቀጢን እዩ፤ እቶም ዝረኽብዋ ኸዓ ውሑዳት እዮም።”
ኢሳይያስውን ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፦ “ቍፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ በዝሐ፥ እቲ ተረፍ ጥራሕ እዩ ዝድሕን።
ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይተኣዘዝኩም ንስኻትኩም ኣቱም ቅድም ምብዛሕኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፥ ብቝፅሪ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም።
እግዚኣብሄር ናብ ማእኸል ህዝብታት ክብትነኩም እዩ፤ ኣብ መንጎ እቶም ተሰዲድኩም እትኸድዎም ህዝቢ ኸዓ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም።
መዓልቲ ጐይታ ግና፥ ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ፥ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽሓልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን፥ ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን፥ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን፥ ክነድድ እዩ።