22 ብሓደ ኽእከቡ እዮም፤ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ከም ዝእከቡ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽዕፀዉ እዮም፤ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክጥየቑ እዮም።
ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ሰባት ካብ ፍርሒ እግዚኣብሄርን ካብ ሓይሊ ግርማኡን ምእንቲ ክኽወሉ፥ ኣብ በዓትታትን፥ ኣኻውሕን፥ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ክኣትዉ እዮም።
ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር ስምዐኒ፤ እንሆ፥ ራዕድን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።
ግና እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዝተወረረን ዝተዘመተን እዩ፤ ኵላቶም ኣብ በዓቲ ተፃወዱ፤ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ተዳጐኑ፤ ንዘመተ ተወፈዩ፤ መናገፊ ኸዓ የለን፤ ተማረኹ፤ “ምለስ” ዝብል ድማ የለን።
ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትድለ ኢኻ፤ ኣብተን ዳሕረዎት ዓመታት፥ ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተኣከበት፥ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ እምባታት እስራኤል ክትአቱ ኢኻ፤ ካብ ህዝብታት ወፂኣስ ኵላቶም ሃዲኦም ክነብሩላ እዮም።
“ንኣኺ ድማ ስለ እቲ ምሳኺ ዝኣተኹዎ፥ ናይ ቃል ኪዳን ደም፥ ነቶም እሱራትኪ፥ ማይ ካብ ዘይብሉ ጕድጓድ፥ ሓራ ኣውፂአዮም ኣለኹ።
ኣቱም ብተስፋ እትነብሩ እሱራት፥ ናብ ዕርድኹም ተመለሱ፤ ሕዚ ኽልተ ዕፅፊ ገይረ፥ ከም ዝመልሰልኪ እነግረኪ ኣለኹ።
እቲ መልኣኽ ነቲ ገበል ሓዞ፤ ንሱውን እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ። ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።