Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 24:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ከምቲ ኣብ ህዝቢ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ካህኑ፥ ከምቲ ኣብ ኣገልጋሊ ዝኸውን ከምኡ ኣብ ጐይታኡ፥ ከምቲ ኣብ ግዝእቲ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ እምበይተኣ፥ ከምቲ ኣብ ዓዳጊኡ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ሸያጢኡ፥ ከምቲ ኣብ ተለቃሒ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ መለቅሒኡ ክኸውን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 24:2
26 Referencias Cruzadas  

ዓመት ጥሜት ገና ኸይበፅሐ እንተሎ፥ ኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት፥ ንዮሴፍ ክልተ ኣወዳት ወለደትሉ።


ነቶም ኵሎም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፥ ክሳዕ መንግስቲ ፋርስ እትለዓል፥ ንእኡን ንደቁን ባሮቱ ኾይኖም ኣገልገልዎ።


እቲ ጥቝዕ ትሕት ኢሉ፤ እቲ ኽቡር ሰብውን ተዋሪዱ እዩሞ፥ ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም።


እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ፥ ምድሪ ፈፂማ ኽትበርስን ክትባድምን እያ።


ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንደልደል ይብሉ፤ ብሰንኪ ብርቱዕ መስተ ኸዓ ይሰናኸሉ። ካህናትን ነቢያትንውን ብዘስክር መስተ ሰንደልደል በሉ፤ ብወይኒ ተውሓጡ፤ ብብርቱዕ መስተ ሰንደልደል ይብሉ ኣለዉ። ራእይ እንትሪኡ ይስሕቱ፤ እንትፈርዱ ኸዓ ይጋገዩ።


ሰብ ክዓብር፥ ሰብ ድማ ኽዋረድ እዩ፤ ኣዒንቲ ዕቡያትውን ክዋረዳ እየን።


ሽዑ እስማኤል ወዲ ናታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባትን ተሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸይምዎ ንዝነበረ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ብሰይፊ ሰዪፎም ቀተልዎ።


ኣምላኽ እስራኤል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ከምቲ ቝጥዓይን መዓተይን ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝፈሰሰ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተኹም፥ ቍጥዓይ ናባኻትኩም ክፈስስ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ክትኮኑ ኢኹም። ብድሕሪዙይውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይትርእይዋን ኢኹም፤ ይብል።


ሜም። እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ብምኽንያት ሓጢኣት ነቢያታን፥ ብሰንኪ ኻህናታን፥ ንሳቶም ኣብ ውሽጣ፥ ደም ንፁሃት ፃድቃን ስለ ዘፍሰሱ እዩ።


ዔ። እግዚኣብሄር ባዕሉ በተኖም፤ መሊሱ ቝልሕ ኣይብሎምን፤ ገፅ እቶም ካህናት ኣይሓፈሩን፤ ነቶም ኣረጋውያንውን ኣየኽበሩን።


ዋው። ሓጢኣት ህዝበይ፥ ዝኾነ ኢድ እንተይነኽኣ፥ ካብ ሓጢኣት እታ ብቕፅበት ዝተገልበጠት ሰዶም ይዓቢ።


እቶም ካህናትውን ካብቶም ህዝቢ ዝተፈለዩ ኣይኮኑን። ንዅሎምውን ከም መጠን ኣካይዳኦም ክቐፅዖም እየ። ከም ስራሓቶምውን ክኸፍሎም እየ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos