19 ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ተሰባበረት፤ ምድሪ ፈፂማ መኸኸት፤ ምድሪ ፈፂማ ተናወፀት።
ምድርን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን መኸኹ፤ ኣነ ግና ነዕምዳ ኣፅናዕኹ።
ንሰማያት ከንቀጥቅጦም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ብመዓልቲ ርሱን ቍጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኣ ኽትናወፅ እያ።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ሰባት ካብ ፍርሒ እግዚኣብሄርን ካብ ሓይሊ ግርማኡን ምእንቲ ክኽወሉ፥ ኣብ በዓትታትን፥ ኣኻውሕን፥ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ክኣትዉ እዮም።
እምባታት ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ፤ ኰረብታታት ከዓ መኸኹ፤ ምድርን ዓለምን ኵሎም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ።
ደው በለ፥ ንምድሪ እውን ሃወኸ፤ ጠመተ፥ ንኣህዛብውን ኣናወፆም፤ እቶም ናይ ጥንቲ እምባታት ተንቀጥቀጡ፤ እቶም ጥንታውያን ኰረብታታትውን መኸኹ፤ መንገዱ ኸዓ ኻብ ዘለኣለም እዩ።
እዝ ዅሉ ተዛሪቡ ምስ ወድአ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨደደት።
ምድሪ ኣፋ ኸፈተት፤ ንኣኣቶምን ነባይቶምን ንዅሎም ናይ ቆሬ ሰባትን ንዅሉ ንብረቶምን ከዓ ወሓጠቶም።
ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ እንተሎ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ናብኡ ቕርብ ኢሎም፥ “እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? ናይ ምምፃእኻን ናይ ዓለም መወዳእታን ምልክቱኸ እንታይ እዩ? እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ።
እቲ ንዳታንን ንኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል፥ ምስ ስድራኦምን ድንኳናቶምን ምስ ኵሉ ዝስዕቦም ዝነበረ ህይወት ዘለዎ ፍጥረትን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጦም ከም ዝገበረ ሎሚ ዘክሩ።
መዓልቲ ጐይታ ግና፥ ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ፥ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽሓልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን፥ ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን፥ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን፥ ክነድድ እዩ።
ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።