18 እቲ ራዕዲ ሒዝዎ ዝሃድም፥ ናብ ጕድጓድ ክወድቕ እዩ፤ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ። መስኮት ሰማይ ተኸፊቱ እዩ እሞ፥ መሰረታት ምድሪ ተናወፀ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰዶምን ገሞራን ካብ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዲንን ሓዊን ኣዝነመ።
ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ዕድመ ኖህ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያት ገንፊሉ ወፀ፤ መሳዅቲ ሰማይ ድማ ተኸፈተ።
ቀንዲ ኣገልጋሊ እቲ ንጉስ ድማ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ይኸውንዶ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ግና ኻብኡ ኣይትጥዕምን ኢኻ” በሎ።
ካብ ኣፅዋር ሓፂን እንተ ሃደመኳ፥ ቀስቲ ነሃስ ኽወግኦ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ካብ ቍጥዓኻ፥ ካብ እስትንፋስ መንፈስ መዓትካውን ዝተልዓለ፥ ዓይኒ ማያት ተርኣዩ፤ መሰረታት ምድሪ እውን ተገለፁ።
ሽዑ ምድሪ ኣንቀጥቀጠትን ተናወፀትን፤ መሰረታት እምባታትውን ተነቓነቑ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ተንቀጥቀጡ።
ካብ ቍጥዓኡ ትኪ ወፀ፤ ካብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤ ፍሕሚውን ኻብኡ በርሀ።
ሰብ ነታ ጊዜኡ ኣይፈልጣን እዩሞ፥ ከምቶም ብኽፉእ መርበብ ዝተገፉ ዓሳታት፥ ከምተን ብመፈንጠር ዝተትሓዛ ኣዕዋፍ፥ ከምኡ ኸዓ ደቂ ሰብ ኣብ ክፉእ ጊዜ ድንገት እንትወርዶም እዮም ብመፈንጠር ዝተሓዙ።
ንሰማያት ከንቀጥቅጦም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ብመዓልቲ ርሱን ቍጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኣ ኽትናወፅ እያ።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ሰባት ካብ ፍርሒ እግዚኣብሄርን ካብ ሓይሊ ግርማኡን ምእንቲ ክኽወሉ፥ ኣብ በዓትታትን፥ ኣኻውሕን፥ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ክኣትዉ እዮም።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም።
ግና እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዝተወረረን ዝተዘመተን እዩ፤ ኵላቶም ኣብ በዓቲ ተፃወዱ፤ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ተዳጐኑ፤ ንዘመተ ተወፈዩ፤ መናገፊ ኸዓ የለን፤ ተማረኹ፤ “ምለስ” ዝብል ድማ የለን።
“ንሱ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል ግና እምኒ መዐንቀፍን መንደልሃፂ ዀዅሕን ክኸውን እዩ፤ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩውን፥ መድፈንን መፈንጠርን ክኾኖም እዩ።
ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ ዘለኹም፥ እግዚኣብሄር ከም ዝበሎ፥ ፍርሓትን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኹም ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ንሞኣብ ዝቐፅዐሉ ዓመት ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ኻብ ፍርሓት ዝሃድም ናብ ጕድጓድ ክወድቕ፥ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ።
ብጥፍኣትን ብምፍርራስን፥ ብሽግርን ብሽብርን ተሳቐና።
ሰይፊ ፈራሕኹም፤ ሰይፊ ድማ ኸምፅአልኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣነ ኸዓ መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሐሉ፤ ብመፈንጠረይ ድማ ይተሓዝ፤ ናብ ባቢሎን፥ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምፅኦ እየ፤ ግናኸ ኣብኣ ኽመውት እዩ፤ ኣይሪኣንውን።
ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እየ፤ ካብ ሓዊ ወፁ፤ ግናኸ ሓዊ ኽበልዖም እዩ፤ ንምፅራሮም ገፀይ ናብኣቶም ክመልስ እንተለኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
ኣቱም ንመዓልቲ እግዚኣብሄር እትፅበዩ ወይለኹም። ንመዓልቲ እግዚኣብሄር ንምንታይ ትደልዩዋ? ንሳስ መዓልቲ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን እያ።
ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ።