15 ስለዙይ እቶም ኣብ ምብራቕ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ። እቶም ኣብ ደሴታት ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ኸዓ፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል የኽብርዎ።
ንጉስ ኣርጤክስስ ከዓ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ግብሪ ኣውደቐ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ከምዙይ ክትብሉ ኢኹም፦ “ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ስሙውን ፀውዑ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ግብርታቱ ኣፍልጡ፤ ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ።
ስለዙይ እቶም ብርቱዓት ህዝቢ ከኽብሩኻ እዮም። ከተማ ናይ ጨካናት ኣህዛብ ከዓ፥ ክትፈርሐካ እያ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብመንገዲ ሕግታትካ። ተስፋ ገበርናካ፤ ስምካን ዝኽርኻን ሃረርታ ነፍስና እዩ።
“ደሴታት ሪኦም ፈርሑ፤ ወሰናት ምድሪ ተንቀጥቀጡ፤ ቀረቡ፤ በፅሑውን።
ኣቱም ናብ ባሕሪ እትወርዱን፥ ኣብ ውሽጣ ዘለኹም ኵልኻትኩምን፥ ኣትን ደሴታትን ኣብኣተን እትነብሩን፥ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፥ ምስጋናኡውን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።
ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ፤ ምስጋናኡውን ኣብ ደሴታት ይናገሩ።
ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘምፅእ፥ ይበርህ እምበር ኣይጠፍእን፤ ኣህዛብውን ብስሙ ኽእመኑ እዮም።”
ኣትን ደሴታት ስምዓኒ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ማህፀን እንተለኹ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ፤ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚሩ ስመይ ኣልዓለ።
ፅድቀይ ቀልጢፉ ቐሪቡ ኣሎ፤ ምድሓነይውን ወፂኡ ኣሎ፤ ቅልፅመይውን ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ደሴታት ድማ ኣባይ ተስፋ ኽገብራ፥ ኣብ ቅልፅመይ ድማ ኽእመና እየን።
ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩሞ፥ ስለ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪን፥ ስለ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፥ ንደቅኺ ኻብ ርሑቕ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን፥ ምእንቲ ኸምፅኣስ፥ ደሴታትን መራኽብ ተርሴስን፥ ኣቐዲመን ይፅበያ ኣለዋ።
ኣብኣቶም ከዓ ምልክት ክገብር እየ፤ ነቶም ካብኣቶም ዝደሓኑ ድማ ዝናይ ናብ ዘይሰምዑ ኽብረይውን ናብ ዘይረአዩ፥ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ሰብ ተርሴስ፥ ናብ ፉጥ፥ ናብ ሉድ፥ ናብ ሞሳሕ፥ ናብ ቱቤል ናብ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኾም እየ። ንሳቶም ድማ፥ ክብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክነግሩ እዮም።
እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።
ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ጳውሎስን ሲላስን እናፀለዩ፥ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፤ እቶም ካልኦት እሱራትውን ይሰምዕዎም ነበሩ።
ከም መጠን ፀጋ ኣምላኽናን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ክኸብር፥ ንስኻትኩምውን ብእኡ ምእንቲ ኽትከብሩ፥ ንፅሊ ኣለና።
እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ፥ የመና ኸቢሩ ምእንቲ ኽርከብ እሞ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ።
ንጐይታ ግና ንሱውን ክርስቶስ፥ ብልብኹም ቀድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፥ ንዅሉ ዝጥይቐኩም ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵልሻዕ ድልዋት ኩኑ። ግና ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ግበርዎ።