14 እዚኣቶም ድምፆም ኣልዒሎም፥ ዕልል ክብሉ እዮም፤ ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ፤
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እዝ መዝሙር፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኽዝመር እዩ፤ ፅንዕቲ ኸተማ ኣላትና፤ እግዚኣብሄር ቅፅርን ዕርድን ገይሩ፥ ምድሓን ከንብረላ እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ ዝተፈተወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።
ኣፀቢቑ ኽዕምብብ፥ ብምስጋናን ብደስታን ዕልል ክብል እዩ። ክብሪ ሊባኖስን ግርማ ቀርሜሎስን ሳሮንን፥ ክወሃቦ እዩ። ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ግርማ ኣምላኽናን ክሪኡ እዮም።
ኣቲ ብስራት እተብስሪ ፅዮን፥ ናብ ነዊሕ እምባ ደዪቢ፤ ኣቲ ብስራት እተብስሪ ኢየሩሳሌም፥ ድምፅኺ የመና ልዕል ኣብሊ፤ ልዕል ኣብሊ፤ ኣይትፍርሒ፤ ንኸተማታት ይሁዳ፥ “እንሆ ኣምላኽኩም ይመፅእ ኣሎ” ኢልኪ ንገሪ።
ነዙይ ዝገበሮ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት ዕልል በሉ፤ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተቤዚውዎ፤ ክብሩ ኸዓ ኣብ እስራኤል ገሊፁ እዩ እሞ፥ ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፥ ብታሕጓስ ዘምሩ፤ ኣቱም እምባታት፥ ኣቱም ኣብ ዱር ዘለኹም ኵልኻትኩም ኣእዋም፥ ዓው ኢልኩም ዘምሩ።
ካብ ባቢሎን ውፁ፤ ካብ ከለዳውያን ህደሙ፤ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተቤዚውዎ እዩ፤ እናበልኩም ብድምፂ ዕልልታ ኣውጁ፤ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን ንገሩ።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ፥ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክመፁ እዮም፤ ኣኽሊል ዘለኣለማዊ ደስታ ኸዓ፥ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፤ ሓዘንን ብኽያትንውን ካብኣቶም ክሃድም እዩ።
“ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን ዘምሪ፤ ኣቲ ፃዕሪ ሕርሲ ዘይትፈልጢ፥ ዕልል በሊ ብሓጐስውን ኣድምፂ፤ ካብታ ሰብኣይ ዘለዋስ፥ ደቂ እታ ፍትሕቲ ኽበዝሑ እዮምሞ” ይብል እግዚኣብሄር።
ሽዑ ምልኣት ሃብቲ ባሕሪ ናባኺ ኽምለስ፥ ሃብቲ ኣህዛብ ከዓ፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩሞ፥ ርኢኺ ደስ ክብለኪ እዩ፤ ልብኺውን ክድነቕን ክሰፍሕን እዩ።
ካብኣቶም፥ መዝሙር ምስጋናን፥ ድምፂ ዕልልታን ክስማዕ እዩ፤ ኣነ ኸብዝሖም እየሞ፥ ቍፅሮም ድማ ኣይውሕድን፤ ከኽብሮም እየሞ፥ ኣይዋረዱን እዮም።
ንሳቶም ክመፁ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፥ ናብ እኽልን ናብ ወይንን ናብ ዘይትን፥ ናብ ኣባጊዕን ናብ ኣላሕምን ክእከቡ እዮም። ነፍሶም ከም ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፤ ድሕሪ ደጊምውን ኣይሓዝኑን እዮም።
ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“እግዚኣብሄር ንፅድቅና ኣውፂኡልና እዩ፤ ንዑናይ ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ፅዮን ንንገር።”
“ኦ ጓል ፅዮን፥ ኣነ መፂአ ኣብ ማእኸልኪ ኽነብር እየሞ፥ ዕልል በሊ ዘምሪ ደስውን ይበልኪ” ይብል እግዚኣብሄር።