12 እታ ኸተማ ዓንያ እያ፤ መዓፁኣ ተሰባቢሩ እዩ።
ትኪ ኻብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ሰራዊት ከዓ ንበይኑ ዝተርፍ የለን እሞ፥ ኣታ በሪ ዋይ ዋይ በል፤ ኣቲ ኸተማውን ኣእውዪ፤ ኵልኻትኩም ፍልስጥኤም ድማ ምኸኹ።
እታ ኣዳራሹ ዑና ኽትከውን እያ፤ እታ ናይ ብዙሓት ሰባት ከተማውን ፀው ክትብል እያ። ዕርድን ግምብን ከዓ ንሓዋሩ መዐንደሪ ኣድጊ በረኻን መዋፈሪ መጓሰን ክኸውን እዩ።
ግና በረድ ኣብ ልዕሊ ዱር ይወርድ፤ እታ ኸተማ እውን ፈፂማ ኽትዋረድ እያ።
“ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፥ ንእምባታት ከተኻኽሎ፥ ንማዓፁ ነሃስ ክሰባብሮ እየ፤ ንመሸጐር ሓፂን ድማ ኽቘራርፆ እየ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ንኢየሩሳሌም መዀመሪ ፍርስራስ እምንን፥ ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፥ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ።
ኣሌፍ። እዛ ብህዝቢ መሊኣ ዝነበረት ከተማ፥ ከመይ ኢላ ሰብ ዘይብላ ተረፈት! እዛ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት፥ ሕዚ ኸመይ ኢላ መበለት ኮነት! እዛ ኣብ ማእኸል ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረት፥ ከመይ ኢላ ተገዛኢት ኮነት?
ዳሌጥ። በዓላታ ኸኽብር ዝመፅእ ሓደ እኳ የለንሞ፥ መንገድታት ፅዮን ይበኽዩ ኣለዉ፤ ብበሪታታ ዝኣቱን ዝወፅእን የለን፤ ካህናታ ድማ ይቝዝሙ ኣለዉ። ደናግላ ይጕህያ ኣለዋ፤ ፅዮን መሪርዋ ትሳቐ ኣላ።
ጤት። በሪታታ ኣብ ምድሪ ሰጠሙ፤ ንመሀርሀሪታታ ኣጥፍአ፤ ሰባበረ፤ ንጉሳን መሳፍንታን ሕጊ ኣብ ዘይብሎም ተማሪኾም፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣለዉ፤ ደጊም ትምህርቲ ሕጊ ኣይህሉን፤ ነቢያታውን ካብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ራእይ ኣይረኽቡን።
ጥራሓ ዝተረፈት እምባ ፅዮን፥ መዐንደሪ ወኻሩ ኾይና እያሞ።
መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ ኢየሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፥ እታ እትነብር ሰናይ ነገር ትፅበ ኣላ።
ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።”
እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ።