7 እታ ቐደም ዝተመስረተት ሕጕስቲ ኸተማ ጢሮስ እዚኣ ድያ? እታ ንብዙሓት ናብ ሰገር ባሕሪ እትሰዶም ዝነበረት ከተማ እዚኣ ድያ?
ባሮት በፍራስ፥ መሳፍንቲ ኸዓ ኸም ባሮት ብእግሪ ክኸዱ እንተለዉ ረአኹ።
ኣቲ ኣውያትን ህልቀትን ዝመልአኪ ኸተማ፥ ኣቲ ሕጕስቲ ኸተማ፥ እቶም ኣብ ውሽጥኺ ዝተቐተሉ፥ ብሰይፊ ወይ ኣብ ውግእ ኣይኮኑን ዝተቐተሉ።
ኣብ ምድሪ ህዝበይ፥ ኣብታ ሕጕስቲ ኸተማ ዘለዋ ዝሕጐሱለን ዝነበሩ ኣባይቲ፥ እሾዅን ኳዂቶን ክበቍል እዩ።
እቲ ወሰን ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ ዝተዓረደት ከተማ ጢሮስ ይበፅሕ፤ ከምኡውን ወሰኑ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይሓልፍ።