4 ባሕርን እቲ ዕርዲ ባሕርን “ቅልውላው ኣይሓዘንን፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ኣየዕበኹን” ይብል ኣሎ እሞ፥ ኣቲ ሲዶን ሕፈሪ።
ከነዓን ድማ ነቲ በዅሪ ወዱ ሲዶንን ኬጢያውያንን፥
ወሰን ከነዓናውያን ድማ ኻብ ሲዶን በታ ንጌራራ እትወስድ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፥ በታ ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሰቦይን እትወስድ ኣቢልካ ኽሳዕ ላሳ ነበረ።
ንዅሎም ነገስታት ጢሮስን ነገስታት ሲዶናን፥ ነቶም ኣብ ዙርያ ገማግም ማእኸላይ ባሕሪ ዝነብሩ ነገስታትን፥
በቶም ንንጉስ ሴዴቅያስ ክበፅሑ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ልኡኻቶም ጌርካ ኸዓ፥ ናብ ንጉስ ኤዶምያስን ናብ ንጉስ ሞኣብን ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞንን ናብ ንጉስ ጢሮስን ናብ ንጉስ ሲዶናን መልእኽቲ ለኣኽ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ ኣቲ ሲዶን እኒሀኹ ኣብ ርእስኺ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ክኸብር እየ፤ ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈፀምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
እግዚኣብሄር ድማ ንፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰዓርዎም፤ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና፥ ክሳዕ ማሴሮን፥ ብወገን ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ምፅጳ ኣሳጐጕዎም። ሓደ እኳ እንተየትረፉ ቐተልዎም።
ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኵሎም ኣህዛብውን፥ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ግና፥ ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ኣባኺ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከቶ ኣይስማዕን እዩ።”
ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ግብሪ ገበሩ፤ በዓሊምን ኣስታሮትን ንዝበሃሉ ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ከምኡውን ንኣማልኽቲ ሶርያን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ኣሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣምለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ፤ ናብኡ ምስጋድውን ገደፍዎ።