Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 23:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 በታ መዓልቲ እቲኣ ጢሮስ፥ ንዕድመ ሓደ ንጉስ ዝኣክል፥ ንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። እተን ሰብዓ ዓመት ምስ ተወድኣ ግና፥ ንጢሮስ ከምዝ ዝስዕብ ደርፊ ኣመንዝራ ኽድረፈላ እዩ፦

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 23:15
13 Referencias Cruzadas  

ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፥ መሰንቆኺ ኣልዕሊ፥ ኣብ ከተማ ዙሪ፤ ኣፀቢቕኪ መሰንቆ ቓንዪ ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ።


እተን ሰብዓ ዓመታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ክምልከታ እዩ፤ ንሳ ድማ ናብቲ ናይ ቀደም ንግዳ ኽትምለስ እያ። ምስ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለም ድማ፥ ክተመንዝር እያ።


ንዅሎም ነገስታት ጢሮስን ነገስታት ሲዶናን፥ ነቶም ኣብ ዙርያ ገማግም ማእኸላይ ባሕሪ ዝነብሩ ነገስታትን፥


“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ።


ስለዙይ ኣቲ ዘማዊት ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፤


መራኽብ ተርሴስ ከዓ ቃፍላይ ንግድኺ ነበሩ። ተመሊእኺ ነበርኪሞ፥ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ የመና ኸበርኪ።


እግሪ ሰብ ኮነ፥ እግሪ እንስሳ ብኣኣ ኣይሓልፍን እዩ፤ ነርብዓ ዓመትውን ዝነብራ የብላን።


ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።


እቲ ዲበላ ድማ መንግስቲ ግሪክ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረ ዓብዪ ቐርኒ ኸዓ፥ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ።


ብድሕሪኡ ኣታኽልቲ ወይና ኽህባ እየ፤ ንለሰ ኣኮርውን ናይ ተስፋ በሪ ክኾና ኽህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ጊዜ ህፃንነታ፥ ከምቲ በታ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፀትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ።


እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም እዮም፤ እቲ ሓደ ሕዚ ኣሎ፤ እቲ ሓደ ገና ኣይመፀን፤ ምስ መፀ ድማ፥ ንቑሩብ ጊዜ ኽፀንሕ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos