14 ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዕርድታትክን ፈሪሱ እዩ እሞ ዋይ ዋይ በላ።
ንዅለን ነተን መራኽብ ተርሴስን ንዝመልክዑ ጣዖታትን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።
ብዛዕባ ጢሮስ ዝተነግረ ፆር። ከተማ ጢሮስ ዓንያ እያ እሞ፥ ቤት የለን፤ ምእታው ድማ የለን እሞ፥ ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዋይ ዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ጀሚሩ ተገሊፁሎም እዩ።
ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ናብ ተርሴስ ተሳገሩ።