9-10 እቲ ዝፈረሰ መንደቕ ናይ ዳዊት ከተማ፥ ከም ዝበዝሐ ረአኹም። ነቲ ማይ ከዓ ኣብ ታሕተዋይ ሓፅቢ ንኣባይቲ ኢየሩሳሌም ቈፀርኩም፤ ነቲ ቕፅሪ ምእንቲ ኽተፅንዑ ኸዓ ነተን ኣባይቲ ኣፍረስኩምወን።
እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ኵሉ ጅግንነቱን፥ ሓፅብን መስኖን ከም ዝሰርሐን፥ ናብ ከተማ ኸዓ ማይ ከም ዘእተወን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
ነቲ ላዕለዋይ ዓይኒ ማይ ግዮን ዓቢሱስ፥ ብመስኖ ገይሩ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኸም ዝውሕዝ ዝገበሮ ንጉስ ሕዝቅያስ እዩ። ሕዝቅያስ ዝገበሮ ዅሉ ይሰልጦ ነበረ።
ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፥ ሹም ፍርቂ ቤትፁር፥ ክሳዕ መንፅር መቓብር ዳዊትን ክሳዕ እቲ ዝተሰርሐ መሐመስን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ሓደሰ።