Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 22:25 - መፅሓፍ ቅዱስ

25 እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር፥ ክመልቝን ክስበርን ክወድቕን፥ እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ፆር ከዓ ወዲቑ ኽሰባበር እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 22:25
15 Referencias Cruzadas  

ምድሓን ብዘይኽእሉ በሕሉቕን፥ ብደቂ ሰባትን ኣይትተኣመኑ።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ንሓዋሩ ኸፍርሰካ እዩ፤ ካብ ቤትካውን ክነቕለካ፥ ከፍልሰካውን እዩ፤ ሱርካውን ካብ ምድሪ ህያዋን ክነቕል እዩ።


ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፤ ንቤት ኣቦኡውን፥ ዙፋን ክብሪ ክኸውን እዩ።


ክብሪ ቤት ኣቦኡ፥ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፥ ኵሉ ኣናእሽተይ ኣቕሑ፥ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኽስቀል እዩ።


ካብ ምብራቕ መንጣሊ ኣሞራ፥ ካብ ርሑቕ ሃገርውን፥ ምኽረይ ዝገብር ሰብ ክፅውዕ እየ፤ ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮውን እየ።


ኣነ፥ ኣነ ባዕለይ ተናጊረ ኣለኹ፤ ኣነ ፀዊዐዮ ኣለኹ፤ ኣምፂአዮውን ኣለኹ፤ መንገዱውን ክትቃነዐሉ እያ።


ምድሪ ኽትበኪ፥ ሰማይውን ኣብ ላዕሊ ኽፅልምት እዩ፤ ኣነ ኢለ ኣለኹ፤ ወዲአዮውን እየ፤ ኣየናሕስየሉን፤ ካብኡ ኣይምለስን ድማ እየ።


“ቍጥዓይ ሕነኡ ኽወፅእ፥ ቍጥዓይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክዝሕል እዩ፤ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ቍጥዓይ ኣብኣቶም ምስ ኣዝሓልኩ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብቕንኣተይ ከም እተዛረብኩ ኽፈልጡ እዮም።


“ብቝጥዓን ብመዓት ቍጥዓን ምስ ፈረድኩኺ፥ እዙይ ኣብቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ህዝብታት፥ ንመፃረፍን ንመላገፅን ንመለበምን ንመሰክሕን ክኸውን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።


ጥሜትን ንደቅኹም ዝቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩም፥ ፌራን ደምን ከዓ ብማእኸልኪ ኽሓልፍ እዩ፤ ሰይፊ እውን ከተስአልኪ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እዙይ ተዛሪበ ኣለኹ።”


ኣፍ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተናጊሩ ኣሎሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን፥ ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ክቕመጥ እዩ፤ ዘፍርሖውን የለን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos