Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 22:23 - መፅሓፍ ቅዱስ

23 ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፤ ንቤት ኣቦኡውን፥ ዙፋን ክብሪ ክኸውን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 22:23
12 Referencias Cruzadas  

“ሕዚ ግና ተረፍ ክሓድገልናን ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሽኻል ክህበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኸብርሀልናን፥ ኣብ ባርነት እንተለና ቑሩብ ምሕዳስ ህይወት ክህበናን፥ ንቑሩብ ጊዜ ሞገስ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ተውሂቡና ኣሎ።


መርዶክዮስ እቲ ኣይሁዳዊ ንንጉስ ኣርጤክስስ ብመዓርግ ካልኣይ ነበረ። ኣብ ኣይሁድ ክቡር፥ በቶም ብዙሓት ኣሕዋቱ ኸዓ ፍትዊ ነበረ። ህዝቡ ፅቡቕ ክረኽቡ፥ ኵሎም ዘርኡ ድማ ብደሓን ክነብሩ ይፅዕረሎም ነበረ።


በዝ ጊዜ እዙይ ስቕ እንተ በልኪ፥ ንኣይሁድ ሓገዝን ድሕነትን ካብ ኻልእ ቦታ ኽመፅእ እዩ፤ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ኽትጠፍኡ ኢኹም። ንስኺ ኸምዙይ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መፂእኺ እንተ ኾንኪኸ፥ መን ይፈልጥ?”


ኣዒንቱ ኻብ ፃድቃን ኣየርሕቕን፤ ንዘለኣለምውን ምስ ነገስታት ኣብ ዙፋን የቐምጦም፤ ንሳቶምውን ልዕል ልዕል ይብሉ።


ቃላት ጠቢባን ከም መውግኢ ብዕራይ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ብእኩባት መምህራን ኣፀቢቑ ዝተሸንከረ ሽንካራት እዩ፤ ብሓደ ጓሳ ኸዓ ዝተውሃበ እዩ።


ክብሪ ቤት ኣቦኡ፥ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፥ ኵሉ ኣናእሽተይ ኣቕሑ፥ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኽስቀል እዩ።


እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር፥ ክመልቝን ክስበርን ክወድቕን፥ እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ፆር ከዓ ወዲቑ ኽሰባበር እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ካብኡ እምኒ መኣዝን፥ ካስማ ድንኳን፥ ቀስቲ ውግእ፥ ኵሎም ግብሪ ዘገብሩ ኽወፁ እዮም።


ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’


ምስ መኳንንቲ ህዝቡ ንኸቐምጦም፥ ዙፋን ክብሪውን ንኸውርሶም፥ ነቲ ድኻ ኻብ ሓመድ የተስኦ፤ ንምስኪንውን ካብ መሬት የልዕሎ፤ መሰረታት ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ንዓለም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ ኣሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos