22 መኽፈቲ ቤት ዳዊት ድማ፥ ኣብ ማእገሩ ኸንብር እዩ። ንሱ ዝኸፈቶ ሓደ እኳ ዝዓፅዎ የለን፤ ንሱ ዝዓፀዎ ድማ ዝኸፍት ሓደ እኳ የለን።
እንሆ፥ ንሱ የፍርስ፥ መሊሱ ዝነድቕ ከዓ የለን፤ ንሱ ንሰብ ይዓፅዎ፤ ዝኸፍቶውን የለን።
ኣብ ማእገረይ ምፆርክዎ፤ ኣኽሊል ገይረውን ኣብ ርእሰይ ምደፋእኽዎ።
ሽዑ ንሱ ኸምዙይ በለ፦ “እምበኣርከ ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ስምዑ፤ እቲ ንሰብ ምድካምኩም ቀሊል ድዩ? ንኣምላኸይ ድማ ተድክምዎ ኣለኹም?
ንቤት ዳዊት “ሶርያን ኤፍሬምን ተሓባቢሮም” ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፥ ኦም በረኻ ብንፋስ ከም ዝናወፅ ልቡን ልቢ ህዝቡን ከምኡ ተናወፀ።
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ፊላደልፍያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ቕዱስ፥ ሓቀኛ፥ መፍትሕ ዳዊት ዘለዎ፥ ንሱ ምስ ከፈተ፥ ሓደኳ ኽዓፁ ዘይኽእል፥ ንሱ ምስ ዓፀወ ኸዓ፥ ሓደኳ ክኸፍት ዘይኽእል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦