21 ቀሚስ መዓርግካ ኸልብሶ፥ መዕጠቒኻ ኸዕጥቖ፥ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፤ ንሱውን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ክኸውን እዩ።
ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዙይ ዝለኣኽኩምኒ። እግዚኣብሄር ንፈርዖን ዘማኽሮ ኣቦኡ፥ ንዅላ ቤተ መንግስቱ ጐይታኣ፥ ንምድሪ ግብፂ ገዛኢኣ ገበረኒ።
መርዶክዮስ ድማ ሰማያውን ፃዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፥ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፥ ብሃሪ ዝተኣልመ ቐይሕን ፃዕዳን ዓለባ ተወንዚፉ፥ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ከተማ ሱሳ ኸዓ ዕልል እናበለት ተሓጐሰት።
ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማ ዝወሰዶ ማሕተም ዘለዎ ቐለበቱ ኣውፂኡ ንመርዶክዮስ ሃቦ። ኣስቴር ከዓ ንመርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሃማ ዝኾነ ዅሉ ሃብቲ ሸመቶ።
ንድኻታት ኣቦኣቶም ነበርኩ፤ ሙግት እቲ ኣነ ዘይፈልጦ ሰብውን መርመርኩ።
ዮናታን ከዓ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኻባ ኣውፂኡ ንዳዊት ሃቦ፤ ምስኡ ድማ ናይ ውግእ ኽዳኑን ሰይፉን ቀስቱን ቅናቱን ሸለሞ።