19 ካብ ስፍራኻ ኽሰጐካ እየ፤ ካብ ሽመትካ ድማ ኽስዕረካ እየ’ ኢልካ ንገሮ” በለኒ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ንሓዋሩ ኸፍርሰካ እዩ፤ ካብ ቤትካውን ክነቕለካ፥ ከፍልሰካውን እዩ፤ ሱርካውን ካብ ምድሪ ህያዋን ክነቕል እዩ።
ኵለን ኣእዋም በረኻ ከዓ፥ ነታ ነዋሕ ኦም ትሕት ዘበልኩ፥ ነታ ትሕት ዝበለት ኦም ከዓ ልዕል ዘበልኩ፥ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀፅኩ፥ ነታ ንቕፅቲ ኦም ከዓ ዘጠጣዕኹ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ፤ ኣነውን ክገብሮ እየ።”
ንሓያላት ካብ ዙፋናቶም ኣውረዶም፤ ንዝተዋረዱ ልዕል ኣበሎም።