13 ንስኻትኩም ግና ተሓጐስኩምን በዓል ገበርኩምን፥ ስጋ ኽትበልዑ ኸብትን ኣባጊዕን ሓረድኩም፤ ወይኒ ድማ ሰተኹም። “ፅባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ” ድማ በልኩም።
ንኽፉእ እንተ ራህራህኻሉ ፅድቂ ኣይመሃርን፤ ቅኑዓት ኣብ ዝነብሩሉ ምድሪ ኽፍኣት ይገብር፤ ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይሪኦን።
ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ ኸተማ ኣርኤር፥ ወይለኺ! ዓመት ኣብ ዓመት ወስኹ፤ በዓላትውን ይመለሱ።
“እምበኣርከስ ኣቲ ሕንቅቕቲ፥ ብልብኺ ‘ኣነ ጥራሕ እየ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን፤ ኣነስ መበለት ኣይኸውንን እየ፤ ውሉድ ድማ ኣይስእንን እየ’ እትብሊ ነውራም ነዙይ ስምዒ።
እቶም ስኽራን ንምኽታል ኣንጊሆም ንዝትስኡ፥ ወይኒ ኽሳዕ ዘቃፅሎም ድማ ኽሳዕ ለይቲ ንዝድንጕዩ ወይለኦም!
ኣብ ድግሶም ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣሎ፤ ንግብሪ እግዚኣብሄር ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ኢዱ ዝገበረቶውን ኣይተመልከትዎን።
እቶም ንምስታይ ወይኒ ሓያላት ዝኾኑ፥ ዘስክር መስተ ንምሕውዋስ ድማ ብርቱዓት ዝኾኑ፥
‘ንዑ ወይኒ ንውሰድ፤ ብዘስክር መስተውን ንርወ፤ ፅባሕውን ከምቲ ሎሚ ዝኾነ፥ ከምኡውን ፅባሕ ክኸውን እዩ፤ ፅባሕውን ዝሓሸ መዓልቲ ክኾነልና እዩ’ ” ይብሉ።
“ንምንታይ ፆምና? ንስኻውን ኣይተመልከትካናን፤ ስለ ምንታይከ ነፍስና ኣሕሰርና? ንስኻውን ኣይፈለጥካናን” ይብሉ። “እንሆ፥ ብመዓልቲ ፆምኩምስ ድልየትኩም ኢኹም እትገብሩ፤ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም።
እንሆ እቲ ሓጢኣት ሰዶም ሓፍትኺ እዙይ ነበረ፤ ትዕቢትን ፅጋብ እንጀራን ምዝላልን ስራሕ ምፍታሕን ትህኺትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልድ ደቃን ነበረ፤ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን።
ኦ እስራኤል፥ ካብ ኣምላኽካ ተፈሊኻ ኣመንዚርካ፥ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻሞ፥ ከም ኣህዛብ ደስ ኣይበልካ፤ ኣይትተሓጐስውን።
ከም ኣተሓሳስባ ሰብ እንተ ኾይኑ፥ ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝተዋጋእኹ ደኣ፥ እንታይ እዩ ረብሓይ? ምውታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖም ግና፥ ከምቲ “ዒራ ፅባሕ ክንመውት ኢናሞ ንብላዕ ንስተ” ዝብልዎዶ ኣይምኾነን?
ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን መቺዩኩምን፥ ንመዓልቲ ማሕረዲ ኸም ዘህጥር፥ ልብኹም ኣስቢሕኹም ኣለኹም።