8 እቲ ሓላዊ ድማ ዓው ኢሉ “ጐይታይ፥ መዓልትን ለይትን እንተየቋረፅኩ ኣብታ መሐለዊት ግንቢ ተተኺለ ኣለኹ።”
ሰራዊት ይሁዳ ድማ ናብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝነበረ ግንቢ ሓለውቲ ምስ መፁ፥ ናብቲ ህዝቢ ኣቢሎም ጠመቱ፤ እንሆ ኸዓ ንዅሉ ምድሪ ሬሳ መሊእዎ ነበረ፤ ዘምለጠ ሰብውን ኣይነበረን።
እግዚኣብሄር ቤት እንተ ዘይሓነፀ፥ ሃነፅቲ ብኸንቱ ይደኽሙ። እግዚኣብሄር ከተማ እንተ ዘይሓልዩ፥ ሓላዊ ብኸንቱ ይተግህ።
ኣብ ምድቃሰይ እዝክረካ ኣለኹ፤ ኣንጊሀውን እናገረልካ ኣለኹ።
ድምፆም ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ከም ሽደን ኣንበሳውን ይጓዝሙ፤ ግዳዮም ሒዞም ይጓዝሙ፤ ይወስድዎውን፤ ዘናግፍውን የለን።
ሓለውቲ እስራኤል ዕውራት እዮም፤ ፍልጠት የብሎምን፤ ኵሎም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፤ ሕልሚ ይሓልሙ፤ ይጋደሙ ድቃስውን ይፈትዉ እዮም።
ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ልዕሊ ቕፅርኺ፥ ሓለውቲ ኣቚመ ኣለኹ፤ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ፤
ካብ ጭካነ ሰይፍን ካብ ናህሪ ቝጥዓኡን ዝተልዓለ፥ ሃገሮም ባዲማ እያሞ፤ ከም ኣንበሳ ነታ መሕደሪኡ ሓደጋ።
ኣንበሳ ካብ ፀምፀም ዱር ወፂኡ ኣሎ፤ ንኣህዛብ ዝዘምትውን ተሲኡ ኣሎ፤ ንምድርኺ ባድማ ኽገብር ድማ ካብ ስፍራኡ ወፂኡ ኣሎ፤ ከተማታትኪ ኸዓ ሓደ እኳ ዝነብረለን ክሳዕ ዝሰኣን ክዓንዋ እየን።
እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ?
“እንሆ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ናብቲ ፅኑዕ እምባ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ኻብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ ዝሓረኽዎ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ክሸሞ እየ። ዝመዓራረየኒ መን እዩ? ቘፀራ ዝገብረለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል ጓሳኸ መን እዩ?
እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን።