6 ሽዑ እግዚኣብሄር “ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፤ ዝረአዮውን ይንገር።
እቲ ሓላዋይ ከዓ ፀዊዑ ንንጉስ ዓው ኢሉ ነገሮ። ንጉስ ድማ “በይኑ እንተ ኾይኑስ፥ ብስራት ዝሓዘ እዩ” በለ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ቐልጢፉ ቐረበ።
ኣብ ከተማ ዝዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ፤ “ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ርኢኹምዎዶ?” ኢለ ኸዓ ጠየቕክዎም።
ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ልዕሊ ቕፅርኺ፥ ሓለውቲ ኣቚመ ኣለኹ፤ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ፤
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣለኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፥ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።