1 ኣብ ጥቓ ባሕሪ ብዛዕባ ዘሎ ምድረ በዳ ዝተነግረ ፆር። ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዝለዓል፥ ከምኡ ኻብ ምድረ በዳ፥ ካብቲ ዝፍራሕ ሃገር ወራሪ ኽመፅእ እዩ።
ኣውሎ ንፋስ ካብቲ ሕቡእ ስፍራኡ፤ ዛሕሊ ድማ ኻብ ሰሜን ይወፅእ።
ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ባቢሎን ዝረአዮ ፆር።
ንሰማያት ከንቀጥቅጦም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ብመዓልቲ ርሱን ቍጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኣ ኽትናወፅ እያ።
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም።
ኣብ ልዕሊ ደመናታት ክዓርግ፥ ነቲ የመና ልዑል ዝኾነውን ክመስሎ እየ’ በልካ።
ንባቢሎን ዓዘቕቲ ኽገብራ እየ፤ መሕደሪ ቅንፍዝውን ክትከውን እያ። ብመዀስተር ጥፍኣት ገይረ ኽዅስትራ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
ብዛዕባ ደማስቆ ዝተነግረ ፆር። “ድሕሪ ደጊም ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ክተቋርፅ እያ፤ ዑናን ኵምራ ፍርስራስን ክትከውን እያ።
“ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ውረዲ፤ ኣብ ሓመድ ከዓ ተቐመጢ፤ ደጊም ምልክዕትን ሕንቅቕትን፥ ኣይትበሃሊን ኢኽሞ፥ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ብዘይ ዙፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ።
ፍላፃታቶም በላሕቲ እየን፤ ኵሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፤ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት፥ መንኰራዅር ሰረገላታቶምውን ከም ኣውሎ ንፋስ እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎንን ነቶም ኣብ ማእኸላ ዝነብሩን፥ ዘጥፍእ ንፋስ ክሰደላ እየ።
ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ደየበ፤ ብርቱዕ ማዕበላቱ ድማ ኸደና።
ፀርፊ ሰማዕና እሞ ሓፈርና፤ ጓኖት ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዮም እዮም እሞ፥ ውርደት ንገፅና ጐልበቦ።
እንሆ ኸዓ፥ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፥ ብርቱዕ ደመና ምስ ናይ ሃልሃልታ ሓዊ፥ ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ፀዳል ብርሃን ክመፅእ እንተሎ ረአኹ፤ ከም ብልጭልጭ ዝብል ወርቂ ድማ ኻብ ማእኸሉ፥ ካብ ማእኸል እቲ ሓዊ ወፀ።
ንሱን ህዝቡ ኸዓ ምስኡን ካብቶም ህዝብታት የመና ዝጭክኑ፥ ነታ ምድሪ ኸጥፍእዋ ኽወፁ እዮም፤ ሰይፎም ንግብፂ ኽመዙላ፥ ነታ ምድሪ እውን ብቕቱላት ክመልእዋ እዮም።
እቶም ጓኖት ናይ ኣህዛብ ጨካናት፥ ቈራሪፆም ደርበይዎ፤ ጨናፍሩ ኣብ እምባታትን ኣብ ኵሉ ሩባታትን ወደቐ፤ ጨንገፉ ኣብ ኵሉ ኣፃድፍ እታ ምድሪ ተሓምሸሸ፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸዓ፥ ካብ ፅላሉ ተመለሱ፤ ሓደግዎውን።
ንስኻ ኽትድይብ፥ ከም ህቦብላ ንፋስ ከዓ ኽትመፅእ ኢኻ፤ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን፥ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ከምቲ ንምድሪ ዝጕልብብ ደመና ኽትከውን ኢኻ።”
“ኣብ መወዳእታ ዘመን፥ ንጉስ ደቡብ ምስኡ ኽዋጋእ እዩ። ንጉስ ሰሜን ድማ ብሰረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን፥ ከም ንፋስ ኣውሎ ኾይኑ ኽመፆ እዩ፤ ናብተን ሃገራት ድማ ኽኣቱን ክውሕጅን ክሓልፍን እዩ።
እግዚኣብሄር ኣብኣቶም ክግለፅ እዩ፤ ፍላፃታቱ ኸም በርቂ ኽወፅእ እዩ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር መለኸት ክነፍሕ እዩ፤ ብኣውሎ ንፋስ ደቡብ ድማ ክኸይድ እዩ።