Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 20:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ‘እንሆ እቶም ካብ ንጉስ ኣሶር ከድሕኑና ናብኣቶም ዝሃደምናዮ ተስፋና እዙይ ኮነ፤ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና?’ ኽብሉ እዮም።”

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 20:6
16 Referencias Cruzadas  

ንንፁህ ሰብ የድሕኖ እዩ፤ ብንፅህና ኢድካውን ክትድሕን ኢኻ።”


ብኣኣቶም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ፥ ሓፈሩ፤ ናብኡ ምስ በፅሑ ሕፍረት ሓዞም።


ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?


ፍትሒ፥ ንመዐቀኒ ገመድ፤ ፅድቂ ድማ፥ ንመለክዒ ቱምቢ ኽገብር እየ።” በረድ ንመሕብኢ ሓሰት ክፀርጎ፥ ማያትውን ነቲ መኸወሊ ኽሽፍኖ እዩ።


እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቃል እዙይ እዩ፤


እታ መዓልቲ፥ ዓባይ እያሞ ዝመዓራረያ የለን፤ ንያእቆብ፥ ጊዜ ጭንቂ እያ፤ ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።”


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በቲ ዘመን እቱይ ንዅሎም ነገድ እስራኤል ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም።


ኣቲ ዝዓኖኺኸ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ? ቀይሕ ክዳን እትኽደኒ፥ ሽልማት ወርቂ እትሽለሚ፥ ኵሕሊውን እትኰሓሊ፥ ንኸንቱ ኢኺ እተጋይፂ ዘለኺ፤ ፈተውትኺ ንዒቖምኺ፤ ንነፍስኺውን ይደልዩዋ ኣለዉ።


እዙይ ዝኸውን፥ ንዅሎም ፍልስጥኤማውያን ንምጥፋእ፥ ንተረፍ ሓገዝቶም፥ ካብ ጢሮስን ሲዶናን ንምቝራፅ፥ መዓልቱ በፂሑ እዩሞ፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ካብ ገማግም ከፍቶር ዝመፁ፥ ተረፍ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ።


ኣቱም ኣትማን፥ ውሉድ ኣፍዑት፥ ከመይ ጌርኩምከ፥ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክተምልጡ?


ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።


ንሕና ግዳ ንኽንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ድሕነት ሸለል ክንብል እንተለና፥ ከመይ ጌርና ኽነምልጥ ንኽእል? እዙይ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድሕነት፥ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊፁልና እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos