3 እግዚኣብሄር ድማ በለ፦ “ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ኢትዮጵያን ምልክትን ተኣምራትን ክኸውን፥ ሰለስተ ዓመት ጥራሕ ዝባኑን ጥራሕ እግሩን ዝኸደ፥
ንግብፃውያን ናብ ኢድ ጨካን ገዛኢ፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ጨካን ንጉስ ድማ ኽገዝኦም እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”
ሰናክሬም፥ “ቲርሃቅ ንጉስ ኢትዮጵያ ኽዋግአካ ይመፅእ ኣሎ” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦
ኣነ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መድሓኒኻ እየ። ንግብፂ ንኣኻ ቤዛ ገይረ፥ ንኢትዮጵያን ሳባን ክንዲ ኽንዳኻ ሃብኩ።”
እንሆ፥ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዝነብር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይን ነቶም ንሱ ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እስራኤል ምልክትን ተኣምራትን ኢና።
እግዚኣብሄር ድማ “ኪድ እሞ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐት መዕጠቒ ገዚእኻ ሕቘኻ ተዓጠቐላ፤ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ” በለኒ።
ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ መንኰብካ ፁሮ፤ ምስ ፀልመተ ድማ ኣውፅኣዮ። ንቤት እስራኤል ምልክት ገይረካ እየሞ፥ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ኸይትሪኣ ገፅካ ሸፍን።”
ሰይፊ ኣብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ፤ እቶም ውጉኣት ኣብ ግብፂ ምስ ወደቑ፥ ሃብታ ምስ ተወሰደ፥ መሰረታውን ምስ ፈረሰ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ፍርሓት ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ንግብፂ ዝድግፉ ኽወድቁ እዮም፤ እቲ ዕቡይ ሓይላ ኸዓ ኽዋረድ እዩ፤ ካብ ሚግዶል ጀሚሩ ኽሳዕ ሴዌኔር፥ ኣብኣ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጡብ ውሰድ፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸዓ ኣንብሮ እሞ፥ ከተማ ኢየሩሳሌም ሰኣለሉ።
ንስኻ ኸዓ መቚሎ ሓፂን ወሲድካ፥ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን፥ ከም መንደቕ ሓፂን ጌርካ ኣንብሮ፤ ገፅካ ናብኣ ኣቢልካ ኣቕንዕ፤ ክብብቲ ትኹን፤ ክበባውን፤ እዙይ ንቤት እስራኤል ምልክት ይኹን።
ኣቱም ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ፥ ብሰይፈይ ክትቕተሉ ኢኹም።
እምበኣርከስ፥ ኣታ ዓብዪ ካህን ኢያሱ፥ ስማዕ፤ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ዝቕመጡ ብፆትካውን፥ ንሳቶም ንምልክት ዝኾኑ ሰባት እዮም እሞ ይስምዑ፤ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ቈጥቋጥ ከውፅእ እየ።
ከም ቍፅሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰለልኩምለን መዓልቲታት፥ ኣርብዓ ዓመት ዝገበርኩም፥ ሓንቲ ዓመት ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ እናገበርኩም፥ ኣርብዓ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትፆሩ ኢኹም፤ ቍጥዓይውን ኽትፈልጡ ኢኹም።