9 እቲ ጥቝዕ ትሕት ኢሉ፤ እቲ ኽቡር ሰብውን ተዋሪዱ እዩሞ፥ ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም።
ኣብ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣቘጢዖምኻ እዮም እሞ በደሎም ኣይትሕደገሎም፤ ሓጢኣቶም ድማ ኣይትደምስሰሎም” ኢለ ፀለኹ።
ትሕት ዝበልኩምን ልዕል ዝበልኩምን፥ ሃብታማትን ድኻታትን፥ ሓቢርኩም ፅን በሉ።
ንስኻውን ኦ ጐይታ፥ ኣምላኽ ሓያላት፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ንዅሎም ኣህዛብ ክትምልከቶም ተልዓል፤ ዓመፅ ንዝገብሩ ዅሎም ኣይትምሓሮም።
ግና ደቂ ሰብ ከንቱ እዮም፤ ደቂ ሰብውን ሓሰውቲ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይዕምፁ፤ ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም።
ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።
ሰብ ክዓብር፥ ሰብ ድማ ኽዋረድ እዩ፤ ኣዒንቲ ዕቡያትውን ክዋረዳ እየን።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ግና፥ ብፍትሒ ልዕል ልዕል ይብል፤ እቲ ቅዱስ ኣምላኽውን ብፅድቂ ይቕደስ።
ዘይቲ ሒዝኪ ናብ ንጉስ ከድኪ፤ ሽቱውን ኣብዛሕኺ፤ ልኡኻትኪውን ናብ ርሑቕ ለኣኽኪ፤ ክሳዕ ሲኦልውን ተዋረድኪ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ክቐትሉኒ ኢሎም ዝሓሰብዎ ዅሉ ምኽሪ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም፤ ሓጢኣቶም እውን ካብ ቅድሚ ገፅካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ፃሕ ኢሎም ይውደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻውን ከምኡ ግበሮም።”
እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ንዘለኣለም ኵነኔ ደኣ ይኾኖ እምበር ፈፂሙ ኣይሕደገሉን እዩ።”
ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ።
ሓደኳ ትሕትና ብዝመስልን፥ ንመላእኽቲ ብዝግበር ኣምልኾን፥ ነቲ ዓስብኹም ኣየግድፍኩም፤ እዝ ሰብዙይ በቲ ዝረኽቦ ራእይ እናተመፃደቐ፥ ከንቱ ብዝኾነ ስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ዝዕበ እዩ።
እዝ ሰብ ባዕሉ ብዘጥረዮ ኣምልኾን፥ ትሕትናን፥ ንሰብነት ኣበርቲዑ ዝቐፅዕን ብምዃኑ፥ ጥበብ ዘለዎ ይመስል፤ ድልየት ስጋ ንምቍፅፃር ግና፥ ኣይጠቕምን እዩ።
ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፦ “እግዚኣብሄር ቅዱስ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ በደልኩምን ሓጢኣትኩምን ኣይምሕረኩምን እዩ።