21 እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም።
እቶም ደቂ ጓና እናጠፍኡ ይኸዱ፤ ካብቲ ዝተዓፀዉሉ እናንቀጥቀጡ ይወፁ።
ኣብ በዓትን ኣብ ጕድጓድ ምድርን፥ ኣብ ማእኸል ኣኻውሕን ይነብሩ።
ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውፃ፤ ኣዕምዳውን የንቀጥቅጡ።
ክብረይ ክሓልፍ እንተሎ ድማ ኣብ ዝተሰንጠቐ ኰዅሒ ኽገብረካ እየ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከዓ፥ ብኢደይ ክኽውለካ እየ።
ኣቲ ኣብ ቋቝራ ኰዅሒ፥ ኣብ መሕብኢ ፀድፊ ዘለኺ፥ ርግበይ፥ ድምፅኺ ጥዑም፥ መልክዕኺ ፅቡቕ እዩ እሞ፥ ገፅኪ ኣርእይኒ፤ ድምፅኺውን ኣስምዕኒ።
ካብ ኣደንጋፂነት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ በዓትታት ኣእማን እቶ፤ ኣብ ውሽጢ መሬትውን ተሓባእ።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ሰባት ካብ ፍርሒ እግዚኣብሄርን ካብ ሓይሊ ግርማኡን ምእንቲ ክኽወሉ፥ ኣብ በዓትታትን፥ ኣኻውሕን፥ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ክኣትዉ እዮም።
እቲ ራዕዲ ሒዝዎ ዝሃድም፥ ናብ ጕድጓድ ክወድቕ እዩ፤ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ። መስኮት ሰማይ ተኸፊቱ እዩ እሞ፥ መሰረታት ምድሪ ተናወፀ።
እግዚኣብሄር “ሕዚ ኽትስእ፥ ሕዚ ክኸብር፥ ሕዚ ልዕል ክብል እየ፤ ይብል ኣሎ።
ንሳቶም ድማ ኽመፁ እሞ፥ ኵላቶም ኣብ ኵሉ ፅምዊ ሽንጥሮን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን፥ ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጥን፥ ኣብ ኵሉ ጐዳጕዲ ማይን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መውፈሪን፥ ክሰፍሩ እዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።
እቶም ናይ እስራኤላውያን ሓጢኣት ዝኾኑ በረኽቲ ኾረብታታት ቤት ኣዌን ክፈርሱ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም እሾዅን ኣሜከላን ክበቍል እዩ። ንሳቶም ከዓ ንእምባታት “ክደኑና” ንዀረብታታት ከዓ “ውደቑና” ኽብልዎም እዮም።