2 በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ እምባ ናይ እግዚኣብሄር ቤት መቕደስ፥ ኣብ ልዕሊ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን፥ ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ኵሎም ኣህዛብ ናብኡ ኽእከቡ እዮም።
ያእቆብ ንደቁ ፀዊዑ፥ “በተን ዳሕረዎት ዘመናት ዘጋጥመኩም ክነግረኩምስ፥ ተኣከቡ” በሎም።
ግና እቲ ቤዛ ዝኾነኒ፥ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣለኹ፤ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽቐውም እዩ።
ብሓይሉ ጐደና መለሰሎም፤ ምውሓድ ዘመነይ ንገረኒ።
ለምነኒ፥ ኣነ ኸዓ ኣህዛብ ንርስትኻ፥ ወሰናት ምድሪ ድማ ንግዝኣትካ ኽህበካ እየ።
ኵሎም ወሰናት ምድሪ ይሕሰቡ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለሱ፤ ኵሎም ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሚኡ ክሰግዱ እዮም።
መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፥ ንሱውን ንኣህዛብ ክገዝእ እዩ።
ብወገን ሰሜን ኣብቲ ፅቡቕ ስፍራ ዝቖመ፥ ናይ ኵሉ ምድሪ ሓጐስ እምባ ፅዮን እዩ፤ ንሱውን ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
ሰረገላታት እግዚኣብሄር ክልተ እልፊ፥ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዮም፤ ጐይታ ኣብ መቕደሱ ኣብ ሲና፥ ኣብ ማእኸሎም እዩ።
ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ ፈለግውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኽገዝእ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ እቶም ኵሎም ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱ፤ ንስምካውን ከኽብሩ እዮም።
መሰረታታ ኣብ ዝተቐደሱ እምባታት እዮም።
እግዚኣብሄር ካብ ድንኳናት ያእቆብ፥ ንበርታት ፅዮን ይፈትወን እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኣህዛብ ምልክት ክኸውን ንዝቖመ ሱር እሴይ፥ ኣህዛብ ክደልይዎ እዮም። መዕረፊኡውን ዝኸበረ ክኸውን እዩ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ንዅሎም ህዝብታት ብብሉፅ ወይንን ኣንጕዕ ብዝመልአ ስቡሕ ስጋን ብብርቱዕ ፅሩይ ወይንን ዓብዪ ምሳሕ ክገብር እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ዝጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።
ንስኻትኩም ግና ኸምታ ቅዱስ በዓል ዝበዓለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም። ከምቲ ኣብ እምባ እግዚኣብሄር ናብቲ ኰዅሒ እስራኤል፥ ብቓና እምብልታ ኽድይቡ እንተለዉ፥ ከምኡ ናይ ልቢ ደስታ ክኾነልኩም እዩ።
ንሱውን “ንነገድ ያእቆብ ንምትሳእ፥ ነቶም ዝድሕኑ እስራኤል ናባይ ንምምላስ፥ ባርያይ ምዃንካ ንኣኻ የመና ዝቐለለ እዩሞ፥ ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበፅሕ፥ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካ” እየ።
ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ቕፅረይን፥ ካብ ኣወዳትን ኣጓላትን ዝበልፅ፥ መዘከርታን ስምን ክህቦም እየ፤ ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ስምውን ክህቦም እየ።”
ቃል ኪዳነይውን ንዝሕዙ ዅላቶም፥ ናብቲ ዝተቐደሰ እምባይ ከምፅኦም እየ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ፀሎተይውን ከሐጕሶም እየ፤ ዝቃፀል መስዋእቶምን ካልኦት መስዋእትታቶምን ኣብ መሰውእየይ እንተ ሰውኡ ኽቕበሎም እየ፤ ቤተይ ንዅሎም ህዝብታት ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩሞ።”
ህዝብታት ናብ ብርሃንኪ፥ ነገስታት ከዓ፥ ናብ ፀዳል ምብራቕኪ ኽመፁ እዮም።
“ንስኻትኩም ኣቱም ንኣይ ንእግዚኣብሄር እትሓድጉ፥ ንፅዮን ቅዱስ እምባይ ረሲዕኹም፥ ‘ፅቡቕ ኣጋጣሚ’ ንዝተብሃለ ጣዖት ማእዲ እተቕርቡ፤ ‘ፅቡቕ ዕድል’ ንዝተብሃለ ጣዖት ድማ ወይኒ እትመልኡሉ ግና፥
ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፥ ብፅሩይ ኣቕሓ ገይሮም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ከም መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፥ በፍራስን ብሰረገላታትን ብጋሪን በባቕልን ብፈጣናት ኣግማልን ገይሮም፥ ካብ ኵሎም መንግስታት፥ ናብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅእዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
“ካብ ሰርቂ ወርሒ፥ ክሳዕ ሰርቂ ወርሒ፥ ካብ ሰንበት ክሳዕ ሰንበት፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሰብ፥ ኣብ ቅድመይ ክሰግድ ክመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳባት ልቡ እንተይገበረን እንተይፈፀመን ኣይምለስን እዩ። ኣብ ዳሕረዎት መዓልቲታት ብዝበለፀ ኽተስተውዕልዎ ኢኹም።
“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
ሽዑ ኢየሩሳሌም ዙፋን እግዚኣብሄር ክትብሃል እያ፤ ኵላቶም ኣህዛብ ከዓ ብስም እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክእከቡ፥ ድሕሪዙይ ከም ህልኽ ክፍኣት ልቦም ኣይገብሩን እዮም።
ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳብ ልቡ እንተይፈፀመ፥ ስቕ ኢሉ ኣይምለስን፤ በተን ዳሕረዎት ዘመናት፥ ነዙይ ክተስተውዕልዎ ኢኹም።
ንሳቶም ክመፁ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፥ ናብ እኽልን ናብ ወይንን ናብ ዘይትን፥ ናብ ኣባጊዕን ናብ ኣላሕምን ክእከቡ እዮም። ነፍሶም ከም ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፤ ድሕሪ ደጊምውን ኣይሓዝኑን እዮም።
ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ግና፥ ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ሞኣብ ዝወርድ ፍርዲ ኽሳዕ እዙይ እዩ።
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንህዝቢ ዔላም ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣነ ንቤል ኣብ ባቢሎን ክቐፅዖ፥ ነቲ ዝወሓጦውን ከትፍኦ እየ፤ ድሕሪዙይ ኣህዛብ ናብኡ ኣይውሕዙን እዮም። ቅፅሪ ባቢሎንውን ክወድቕ እዩ።
ነታ ምድሪ ኸም ደመና ምእንቲ ኽትከድና፥ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ ክፈልጡንስ፥ ናብ ምድረይ ከደይበካ እየ።”
ብናይ እግዚኣብሄር ራእይ ናብታ ምድሪ እስራኤል ወሰደኒ፤ ኣብ ነዊሕ እምባ ኸዓ ኣንበረኒ፤ ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑፅ ከተማ ነበረ።
እዝ ራእይ እዙይ ንኽፍፀም፥ ገና ብዙሕ ዘመን ስለ ዝተረፎ፥ ንቕድሚት ንዳሕረዋይ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝኸውን ክገልፀልካ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ” በለኒ።
ግና ምስጢር ዝገልፅ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ። ንሱ ነቲ ብዳሕረዋይ ዘመን ክኸውን ዘለዎ፥ ንንጉስ ናቡከደነፆር ገለፀልካ። እቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ እንተለኻ ዝረአኻዮ ሕልምን ናይ ባዕልኻ ራእይን ከዓ እዙይ እዩ፦
ሽዑ እቲ ሓፂንን መሬትን ነሃስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሸሸ፤ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ድማ ኾነ፤ ኣሰሩ ኽሳዕ ዝጠፍእውን ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ እምባ ኾነ፤ ንዅላ ምድሪ እውን መልኣ።
ኢድ ሰብ እንተይነኽኦ፥ ካብ እምባ ተፈንቂሉ ዝወረደ እምኒ፥ ንሓፂንን ንነሃስን ንሻኽላን ንብሩርን ንወርቅን ከድቅቖ እንተሎ ዝረአኻዮ፥ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ነቲ ድሕሪዙይ ክኸውን ዘለዎ ንኣኻ ንንጉስ ኣርእዩካ ኣሎ። እቲ ሕልሚ ትክኽል፥ ትርጕሙ ኸዓ እሙን እዩ።”
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
ኵላ ምድሪ ኻብ ጌባ ጀሚሩ ብደቡብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘላ ኽሳዕ ሞሬን፥ ተለዊጣ ኸም ዓረባ ኽትከውን እያ፤ ንሳ ልዕል ልዕል ክትብል እያ። ካብ በሪ ቢንያም ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ በሪ ኽሳዕ እቲ በሪ መኣዝኑ፥ ካብ ግንቢ ሓናንኤል ክሳዕ እቲ መፅመቚ ወይኒ ንጉስ ኣብ ስፍራኣ ኽትነብር እያ።
እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኽነግስ እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ሓደ፥ ስሙውን ሓደ ክኸውን እዩ።
ብዙሓት ወገናትን ሓያላት ኣህዛብን፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምድላይን ንምልማንን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
ድሕሪዙይ ምድሪኹም ምድሪ ሓጐስ ስለእትኸውን፥ ኵሎም ኣህዛብ ‘ዝተባረኸ ህዝቢ’ ኢሎም ክፅውዑኹም እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሕዚ ኸዓ እንሆ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። ግና በዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ንህዝብኻ ዝገብሮ ነዓ ኽነግረካ” በሎ።
‘በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ፥ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክንበዩ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ፥ ሽማግለታትኩምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም።
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ዘጨንቅ ዘመን፥ ከም ዝመፅእ ፍለጥ።
ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና።
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዝመላለሱ፥ መላገፅቲ ኸም ዝመፁ፥ ቅድሚ ዅሉ እዙይ ፍለጡ።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።
ዙፋናትውን ረአኹ፤ ነቶም ኣብ ዙፋናት ዝተቐመጡ ኸዓ፥ ክፈርዱ ስልጣን ተውሃቦም። እዚኣቶም፥ እቶም ንኢየሱስ ብምምስካሮምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ብምብሳሮምን፥ ዝተሰየፉ እዮም። እዚኣቶም፥ ነቲ ኣራዊት ኮነ ንምስሉ ዘይሰገዱ፥ ኣብ ግምባሮም ኮነ ኣብ ኣእዳዎም፥ ማሕተሙ ዘይተቐበሉ እዮም። ንሳቶም፥ ህያዋን ኮይኖም፥ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።