19 እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ሰባት ካብ ፍርሒ እግዚኣብሄርን ካብ ሓይሊ ግርማኡን ምእንቲ ክኽወሉ፥ ኣብ በዓትታትን፥ ኣኻውሕን፥ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ክኣትዉ እዮም።
እቶም ደቂ ጓና እናጠፍኡ ይኸዱ፤ ካብቲ ዝተዓፀዉሉ እናንቀጥቀጡ ይወፁ።
ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውፃ፤ ኣዕምዳውን የንቀጥቅጡ።
ኦ ጐይታ፥ ብመዓትካ ተስእ፤ ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ብቝጥዓ ተልዓል፤ ኦ ኣምላኸይ ብዝኣዘዝካዮ ስርዓት ንቓሕ።
ንሰማያት ከንቀጥቅጦም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ብመዓልቲ ርሱን ቍጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኣ ኽትናወፅ እያ።
ካብ ኣደንጋፂነት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ በዓትታት ኣእማን እቶ፤ ኣብ ውሽጢ መሬትውን ተሓባእ።
እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸናውፃ እንትለዓል፥ ካብ ኣደንጋፅነቱን ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ ጐዳጕድን በዓትታትን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን ክኣትዉ እዮም።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣዕንዩ ኸባድማን ክግልብጣን እዩ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽብትኖም እዩ።
እቲ ራዕዲ ሒዝዎ ዝሃድም፥ ናብ ጕድጓድ ክወድቕ እዩ፤ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ። መስኮት ሰማይ ተኸፊቱ እዩ እሞ፥ መሰረታት ምድሪ ተናወፀ።
ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ተሰባበረት፤ ምድሪ ፈፂማ መኸኸት፤ ምድሪ ፈፂማ ተናወፀት።
ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ዘውረደሉ ናይ በትሪ መቕፃዕቲ፥ ብኸበሮን ብመሰንቆን ክኸውን እዩ። ኣብ ውግእውን ቅልፅሙ ኣልዒሉ፥ እግዚኣብሄር ክዋግኦም እዩ።
እግዚኣብሄር “ሕዚ ኽትስእ፥ ሕዚ ክኸብር፥ ሕዚ ልዕል ክብል እየ፤ ይብል ኣሎ።
ንሳቶም ድማ ኽመፁ እሞ፥ ኵላቶም ኣብ ኵሉ ፅምዊ ሽንጥሮን፥ ኣብ ነቓዕ ኣኻውሕን፥ ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጥን፥ ኣብ ኵሉ ጐዳጕዲ ማይን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መውፈሪን፥ ክሰፍሩ እዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።
ካብ ድምፂ ፈረሰኛታትን፥ ወርወርቲ ፍላፃታትን ዝተልዓለ፥ ኵሉ ኸተማታት ይሃድም፤ ገሊኣቶም ናብ ዕሙር ዱር ክኣትዉ፥ ገሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ኣኻውሕ ክድይቡ እዮም። ኵለን ከተማታት ክሕደጋ እየን፤ ኣብኣተን ዝነብር ሰብ እውን ኣይርከብን።
ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ፥ ካብተን ከተማታት ውፁ፤ ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ስፈሩ። ከምታ ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ቤታ እትሰርሕ ርግቢ ድማ ኹኑ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “ኣነ ህያው እየ፤ እቶም ኣብ ዑናታት ዝነብሩ፥ ብርግፅ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኸዓ፥ ብልዒ ኣራዊት ክኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕሩድ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ዝነብሩ ድማ ብፌራ ኽሞቱ እዮም።
እቶም ናይ እስራኤላውያን ሓጢኣት ዝኾኑ በረኽቲ ኾረብታታት ቤት ኣዌን ክፈርሱ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም እሾዅን ኣሜከላን ክበቍል እዩ። ንሳቶም ከዓ ንእምባታት “ክደኑና” ንዀረብታታት ከዓ “ውደቑና” ኽብልዎም እዮም።
ከም ተመን ሓመድ ክልሕሱ፥ ከም ለመምታ ምድሪ እናኣንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ክወፁ፥ ብፍርሒ ራዕራዕ እናበሉ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽመፁ እዮም፤ ንኣኻውን ክፈርሑ እዮም።
ንስኺ ድማ ኽትሰኽሪ ኢኺ፤ ክትዋረዲ ኢኺ፤ ክትሕብኢ ድማ ኢኺ፤ ካብ ፀላኢ እትሃድምሉ ዕሩድ ቦታውን ኽትደልዪ ኢኺ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ኣነ ንሰማይን ንምድርን ንባሕርን ንየብስን ከናውፅ እየ።
ንዅላቶም ኣህዛብ ከናውፅ እየ፤ ንዅላቶም ኣህዛብ ዝተመረፀ ኽቡር ነገር ድማ ኽመፅእ እዩ፤ ነዝ ቤት እዙይ ከዓ ብኽብሪ ኽመልኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
በቲ ጊዜ እቱይ ‘ንእምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ፤ ንዀረብታታትውን ከውሉና፥ ምባል ክጅምሩ እዮም።’
ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ፥ ካብ ግርማ ሓይሉ ኽርሕቑ፥ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም።
ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቕዕ ስለ ዝኾነት፥ ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል በሉ።
ሽዑ ድምፁ ንምድሪ ኣናወፃ፤ ሕዚ ግና “ንምድሪ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሰማይውን ሓንሳእ ደጊመ ኸናውፆ እየ” ኢሉ ተስፋ ሂቡ እዩ።
በታ ሰዓት እቲኣ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ዓነወ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸዓ፥ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ሃብዎ።
እታ፥ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሄር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን፥ ታቦት ኪዳኑ ተርኣየ፤ መብረቕን፥ ድምፂ ነጐድጓድን፥ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ።
መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ድማ ኾነ፤ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ኮነ። ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፥ ተርእዩ ኣይፈልጥን።
ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰባት ንሞት ይደልዩዋ፤ ግና ኣይረኽብዋን እዮም፤ ሙማትውን ክምነዩ እዮም፤ ሞት ግና ኻብኣቶም ክሃድም እዩ።
እቶም ሰብ እስራኤል፥ ፍልስጥኤማውያን ንሰራዊቶም ከም ዘፅበቡሎም ምስ ረአዩ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ዱርን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ ዒላታትን ተሓብኡ።
ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተርኣይዎም። ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እንሆ፥ ዕብራውያን ካብቲ ተሓቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጕዲ ይወፁ ኣለዉ” በሉ።