13 ንዅሉ ዓቢይን ልዕል ዝበለ ኣእዋም ሊባኖስን ንዅሉ ኣእዋም ባሳንን፥
ድምፂ እግዚኣብሄር ንዝግባታት ይሰብር፤ እግዚኣብሄር ንዝግባ ሊባኖስ ይቕጥቅጦ።
ፅሕድታትን ዝግባታት ሊባኖስን እኳ ‘ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ፥ ክቘርፀና ኢሉ ዝደየበ ሓደኳ የለን’ እናበሉ ብኣኻ ደስ በሎም።
እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።
ሓሽከርካ ልኢኽካ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢልካ ፀረፍካዮ፤ “ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደዪበ ነቲ ፀፅቡቕ ፅሕድታቱን ንነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርፆ እየ። ናብቲ ላዕለዋይ ጫፉን፥ ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበፅሕ እየ።
መቕዘፊታትኪ ኻብ ኣውሒ ባሳን ገበሩ፤ ኮፍ መበሊታትኪ ብስኒ ሓርማዝ ሸሊሞም በቲ ኻብ ደሴታት ኪቲም ዝመፀ ኣእዋም ገበሩ።
ስለዙይ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”