10 ካብ ኣደንጋፂነት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ክብሪ ግርማኡን ዝተልዓለ፥ ኣብ በዓትታት ኣእማን እቶ፤ ኣብ ውሽጢ መሬትውን ተሓባእ።
ናይ እግዚኣብሄር መዓት ኣደንጊፁኒ እዩሞ፥ ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን።”
ንዅሎም ብሓድነት ኣብ ምድሪ ሰውሮም፤ ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ገፆም ሸፍን።
ሓይልኻን ክብሪ መንግስትኻን፥ ንደቂ ሰባት ምእንቲ ኸፍልጡ እዩ።
ፅንዓት ቍጥዓኻ መን ይፈልጥ? ካብ ግርማ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ሃለቑ።
ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?
ከምቲ ሓማሳይ ክሕምስ እንተሎ ኣእዳዉ ዝዝርግሕ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ማእኸሉ ኣእዳዉ ኽዝርግሕ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ንትዕቢቱን ንተንኰል ኣእዳዉን ከዋርዶ እዩ።
ግና እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዝተወረረን ዝተዘመተን እዩ፤ ኵላቶም ኣብ በዓቲ ተፃወዱ፤ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ተዳጐኑ፤ ንዘመተ ተወፈዩ፤ መናገፊ ኸዓ የለን፤ ተማረኹ፤ “ምለስ” ዝብል ድማ የለን።
እግዚኣብሄር ግና ናይ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣምላኽ፤ እቲ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፤ ንቝጥዓኡ ድማ ኣህዛብ ክፅመምዎ ኣይኽእሉን።
ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፥ ክትከብር ይግብአካ እዩ፤ ካብ ኵሎም ጠቢባን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሎም መንግስታቶምን፥ ሓደ እኳ ከማኻ የለንሞ፤ ንኣኻ ዘይፈርሕ መን እዩ?
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፤ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት ኢየሩሳሌምን ከጥፍኦ እየ።
እቶም ናይ እስራኤላውያን ሓጢኣት ዝኾኑ በረኽቲ ኾረብታታት ቤት ኣዌን ክፈርሱ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም እሾዅን ኣሜከላን ክበቍል እዩ። ንሳቶም ከዓ ንእምባታት “ክደኑና” ንዀረብታታት ከዓ “ውደቑና” ኽብልዎም እዮም።
ንስኺ ድማ ኽትሰኽሪ ኢኺ፤ ክትዋረዲ ኢኺ፤ ክትሕብኢ ድማ ኢኺ፤ ካብ ፀላኢ እትሃድምሉ ዕሩድ ቦታውን ኽትደልዪ ኢኺ።
ኣነ ግና፥ ንመን ከም እትፈርሑ ኸርእየኩም እየ፤ ነቲ ምስ ቀተለ፥ ናብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፥ ንእኡ ፍርሑ። እወ፥ ንእኡ ፍርሕዎ እብለኩም ኣለኹ።
በቲ ጊዜ እቱይ ‘ንእምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ፤ ንዀረብታታትውን ከውሉና፥ ምባል ክጅምሩ እዮም።’
ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ፥ ካብ ግርማ ሓይሉ ኽርሕቑ፥ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም።