9 እቶም ሰራሕቲ ዝተፋረኸ ቓንጫ እንጣጢዕን፥ እቶም ኣለምቲ ፃዕዳ ኽዳውንትን ክሓፍሩ እዮም።
እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ኻብ ግብፅን ካብ ቂልቅያን በቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ተዓዲጎም ዝመፁ ነበሩ።
ክልተ ኣዕማድ፥ ኣብ ርእሲ እተን ኣዕማድ ከዓ ኽልተ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት፥ ነተን ኣብ ልዕሊ ኣዕማድ ዘለዋ ዅዕሶ ዝመስላ ኽልተ ጕልላት ዘጊፃ ኽልተ ዓይኒ ርግቢ፥
ይሁዳ ድማ ንሴሎም ወለደ፤ ሴሎም ከዓ ነቲ ንሌካ ኣቦ ንዝኾነ ንዔር፥ ንማሬሻ ኣቦ ንዝኾነ ለዓዳ፥ ነቶም ካብ ኣሽቤዓ ንዝኾኑ
ኣብ ዓራተይ ብፈትሊ ግብፂ ዝተጠልፈ፥ ዝንጕርጕር ምንፃፍ ኣንፂፈ ኣለኹ።
እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዝኾነኪ ጋንፅላኺ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተገብረ ቐጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብፂ ነበረ፤ ካብ ደሴታት ኤሊሻ ሰማያዊ ሃርን ቀይሕ መጋረጃኺ ነበረ።