8 ኣስገርቲ ዓሳ ኽሓዝኑ፥ እቶም ኣብ ሩባ ኣባይ መቝለብ ዝድርብዩ ዅሎም ክበኽዩ፥ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዝርግሑ ድማ፥ ልቦም ክጠልሞም እዩ።
እቶም ኣብ ሩባ ዝነበሩ ዓሳታት ድማ ሞቱ፤ እቲ ሩባውን ጨነወ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ፥ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ደም ኮነ።
ክኸውን ከዓ እዩ፥ ኣስገርቲ ዓሳ ኣብኡ ክቖሙ፥ ካብ ዔይንጋዲ ኽሳዕ ዔይን ኤግላይም፥ መዘርግሒ መርበብ ክኸውን እዩ፤ ዓሳታት፥ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፥ በብዓይነቶም የመና ብዙሓት ኣብኡ ኽህልዉ እዮም።
ንዅላቶም ብመቝለብ የውፅኦም፤ ብመርበብውን ይሕዞም፤ ብመፃወዲኡ ድማ ይእክቦም፤ በዙይውን ተሓጒሱ ዕልል ይብል።
ስለዙይ መርበቡ ኽድርቢ ድዩ? ዅልሻዕኸ ንህዝብታት ክቐትል ኣይርህርህንዶ?
እቲ ኣብ ግብፂ ብኸምኡ እንበልዖ ዝነበርና ዓሳ፥ ዱባ፥ ብርጭቕ፥ ዝኩኒ፥ ቀይሕ ሽጕርቲ፥ ፃዕዳ ሽጕርቲ ይዝከረና ኣሎ።
ከምዙይ ከዓ ይብልዎም፦ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም፥ ኣይሳዕሳዕኹምን፤ ኣልቀስናልኩም፥ ኣይበኸኹምን።’