7 ኣብ ወሰን ሩባ ኣባይ ዘሎ ሰውሒ፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣባይ ዝተዘርአ ዅሉ፥ ክሃጒጕን ክጠፍእን ኣይክርከብንውን እዩ።
እንሆ ድማ፥ ሸውዓተ ንምርኣየን ፅቡቓትን ስጋአን ከዓ ስቡሓትን ኣላሕም፥ ካብቲ ፈለግ ወፂአን፥ ኣብቲ ሰውሒ ሳዕሪ ኽበልዓ ረአየ።
ኣቲ ጓል ተርሴስ፥ ዝኽልክለኪ የለንሞ፥ ከም ኣባይ ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ውሕጅኪ ሕለፊ፤
ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እኽሊ ሒሾርን ቀውዒ ኣባይን እቶት ጢሮስ ነበረ። ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ኮይና ነበረት።
ኣቱም ነእጋር ብዕራይን ኣድግን እናዀብኰብኩም ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማያት እትዘርኡ ብሩኻት ኢኹም።
ዝናም ስለ ዘይዘነመ እታ ምድሪ ተጨዳደደት፤ ሓረስቶት ድማ ሓፊሮም ርእሶም ተጐልበቡ።
ሕዚ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣፃምእ ተተኺላ ኣላ።