6 ሩባታት ክጨንዉ እዮም፤ መስኖታት ግብፂውን ክውሕዱን ክነቕፁን እዮም፤ ሰልሰላን ጋሳን ክፅምልዉ እዮም።
እንሆ ድማ፥ ሸውዓተ ንምርኣየን ፅቡቓትን ስጋአን ከዓ ስቡሓትን ኣላሕም፥ ካብቲ ፈለግ ወፂአን፥ ኣብቲ ሰውሒ ሳዕሪ ኽበልዓ ረአየ።
ኰዓትኩ ጋሻ ማይውን ሰተኹ፤ ነቲ ዝተገደበ ማይውን ብኸብዲ እግረይ ኣንቀፅክዎ ድማ በልካ።
“ረግረግ ኣብ ዘይብሉ ቦታዶ ሰልሰላ ይዓቢ እዩ? ማይ ኣብ ዘይብሉኸ ሰቲዶ ይልምልም?
ንሱ ብለምለሙ እንተሎን እንተይተበቘሰን፥ ቅድሚ ዅሉ ሳዕሪ ይነቅፅ።
ካብዙይ ንደሓር ምሕብኡ ምስ ሰኣነት፥ ብሻምብቆ ዝተሰርሐ ሓደ ሳፁን ወሲዳ ብቕጥራንን ብእንዳዲዕን ለበጠቶ። ነቲ ህፃን ናብኡ ኣእትያ ድማ ኣብቲ ገምገም ሩባ ኣብ ዘሎ ሰልሰላ ኣንበረቶ።
እቶም ኣብ ሩባ ዘለዉ ዓሳታት ክሞቱ እዮም፤ እቲ ሩባ ድማ ኽጨኑ እዩ። ግብፃውያን ከዓ ኻብቲ ሩባ ማይ ምስታይ ክፍንፍኑ እዮም።”
ማያት ኔምሬም ክነፅፉ እዮም፤ ሳዕሪውን ነቒፁ እዩ፤ ጠጥዒ ፀምልዩ ዅሉ ልምላሜኡ የለን።
ኣቱም ቅልጡፋት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙፅ ህዝቢ፥ ናብቲ ኸም መጀመርታ ዝተፈርሐን ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ።
ኵዒተ ማይ ሰተኹ፤ ብኸብዲ እግረይ ንዅሉ ሩባታት ግብፂ ኸንፅፎ እየ” እናበልካ ተዘሃርካ።
ንስኺ ኻብታ ኣብ መንጎ ሩባታት ዝተቐመጠት፥ ማይ ኣብ ዙርያኣ ኻብ ዝነበረ፥ መከባብያኣ ኸዓ ባሕሪ ኻብ ዝኾነ ኻብ ኖእ ኣሞንዶ ትበልፂ ኢኺ?