3 መንፈስ ግብፃውያን ኣብ ውሽጦም ጥራሑ ክኸውን እዩ። ንምኽሮምውን ከንቱ ኽገብሮ እየ፤ ንሳቶም ድማ ንጣዖታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ክጥይቑ እዮም።
ንዳዊት ከዓ “ኣኪጦፌል ኣብ መንጎ እቶም ሻራ ዝገበሩልካ ተሓዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኽትገብሮ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ፀለየ።
ሽዑ ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን፥ “ካብ ምኽሪ ኣኪጦፌልስ ምኽሪ እቲ ዓርካዊ ኵሲ ይበልፅ” በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ኸምፅአሉስ፥ ነቲ ፅቡቕ ምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ገበሮ።
ኣኪጦፌል ከም ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፥ ኣድጉ ፅዒኑ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣመሓዲሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸዓ ተቐበረ።
ኣካዝ ከዓ ኻብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደብሪ ቤቱ ብዓይኒ ርግቢ ፀደፈ እሞ ሓመመ። ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱ “ኪዱ እሞ ዝሓዊ እንተ ኾይነ፥ ንብዔልዜቡል ኣምላኽ ኣስቀሎና ጠይቑለይ” በሎም።
ሳኦል ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላዉን ነታ ምስ መናፍስቲ ምዉታት እትዛረብ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደለን ሞተ።
ደንገፁ፤ ከም ሰካራምውን ሰንደልደል በሉ፤ ኵሉ ጥበቦምውን ተውሓጠ።
እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፤ ንሓሳባት ኣህዛብውን የፍርሶ።
ነፍሲ መኳንንቲ የውፅእ፤ ንነገስታት ምድሪ ኸዓ የፍርሕ።
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር መዲብዎ እዩሞ፥ መን እዩ ኸንቱ ዝገብሮ? ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፤ መንከ እዩ ዝመልሳ?
ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን መስገዲ ዀረብታታት ይድይቡ ኣለዉ፤ ሰብ ሞኣብ ከዓ ንኸተማታቶም ናባን ሜድባን ብሓዘን ይበኽዩለን ኣለዉ፤ ፀጕሪ ርእሶም ተነፅዩ ጭሕሞም ከዓ ተላፅዩ እዩ።
ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።
ንምልክት ሓሰውቲ፥ ከንቱ እገብሮ፤ ንጠንቈልቲ አዕብዶም፤ ንጥበበኛታት ንድሕሪት እመልሶም፤ ንፍልጠቶም ከዓ ናብ ዕሽነት እልውጦ።
ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፤ ምናልባሽውን ንፀላእትኺ እንተ ኣደንገፅክሉስ፥ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ፥ ዘዘውተርክዮ ጥንቈላኽን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ ቑሚ።
ንዘለኣለም ኣይፃላእን፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣይቍጣዕን እየ። ከምዙይ እንተ ዘይኸውንስ መንፈስን፥ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን ተስፋ ምቐበፃ ነይረን።
ንሳቶም፦ “ብሕሽዅሽዅን ብሰላሕላሕን ንዝዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ” እንተ በሉኹም፥ ንስኻትኩም “ህዝቢ ንኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝጥይቕ? ወይ ከዓ ንህያዋን ኢሎም ንምዉታንዶ ይጥየቑ እዮም?” ኢልኩም መልሱሎም።
ጀጋኑኻ ንምንታይ ወደቑ? እግዚኣብሄር ስለ ዝደፍኦም፥ ክቖሙ ኣይከኣሉን።
ክኸውን ከዓ እዩ፥ ‘እንታይ ኴንካ ትቝዝም?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ንስኻ በቲ ዅሉ ዝመፅእ ወረ ልቢ ኽመክኽ፥ ኵለን ኣእዳው ድማ ኽለምሳ እየን፤ ኵሉ መንፈስ ከዓ ኽሕለል፥ ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ክፈስስ እዩ፥ በሎም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ፤ ክፍፀም ድማ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገብረላ መዓልትስ፥ ልብኽዶ ኽቐውም እዩ? ወይ ኣእዳውኪ ኽፀንዓ ድየን? ኣነ እግዚኣብሄር እየ፥ ዝተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ።
እቲ ንጉስ ብዝጠየቖም፥ ብዝኾነ ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ጉዳይ፥ ካብቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ተርጐምቲ ሕልምን ኣስማተኛታትን፥ ዓሰርተ ኢድ በሊፆም ረኸቦም።
ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንተርጐምቲ ሕልሚ፥ ንጠንቈልቲ፥ ንምትሃተኛታት፥ ንኣስማተኛታት፥ ንከለዳውያንን ክፅውዑሉ ኣዘዘ። ንሳቶም ከዓ መፂኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ቆሙ።
ዓው ኢሉ ድማ “ነቶም ኣስማተኛታትን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ኣእትውዎም” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን “ዝኾነ ይኹን ነዛ ፅሕፈት እዚኣ ዘንብባን፥ ትርጉማ ኸዓ ዝነግረንን፥ ቀይሕ ሃሪ ኽለብስ፥ ናይ ክብሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኽኣስር፥ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።
ንፅባሒቱ፥ ናባል ስኽራኑ ምስ ወፀሉ፥ ሰበይቱ እዝ ነገር እዙይ ነገረቶ። ሽዑ ልቡ ጠለሞ፤ ከም እምኒውን ኮነ።