23 በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ግብፂ ናብ ኣሶር መንገዲ ክኸውን እዩ። ኣሶራውያን ናብ ግብፂ፥ ግብፃውያን ከዓ ናብ ኣሶር ክመፁ እዮም። ግብፃውያንን ኣሶራውያንን ብሓደ ኾይኖም ከምልኹ እዮም።
“ንዝፈልጣኒ ንረዓብን ንባቢሎንን እዝክረን ኣለኹ፤ እንሆ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፥ እዚኣቶም ኣብኣ ተወለዱ።”
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።
እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል፥ ንግብፅን ንኣሶርን ሳልሰይተን ክትከውን እያ፤ ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ በረኸት ክኸውን እዩ።
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ፤ ብዙሓት ህዝብታት፥ “ንዑ ናብ እምባ እግዚኣብሄር፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆም ንደይብ፤ ንሱ መንገዱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብመንገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ክብሉ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ዝጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።
“ንዅሎም እምባታተይ መንገዲ ኽገብሮም እየ፤ ጐደናታተይውን ልዕል ክብሉ እዮም።
እግዚኣብሄር እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ተቤዛዊኡን፥ ነቲ ሰባት ዝነዓቕዎ፥ ህዝብታት ዝፀልእዎ ባርያ ገዛእቲ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ስለ እቲ እሙን እግዚኣብሄርን፥ ስለ እቲ ዝመረፀካ ናይ እስራኤል ቅዱስን፥ ነገስታት ሪኦም ክትስኡልካ፥ መሳፍንቲ ድማ ሪኦም ክሰግዱልካ እዮም።”
ሕለፉ፤ ብደገታት ሕለፉ፤ ንህዝቢ መንገዲ ኣዳልዉ፤ ኣመዓራርዩ፤ መንገዲ ፅርጊያ ኣመዓራርዩሉ፤ ኣእማን ፅረጉ፤ ንኣህዛብውን ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።
“ካብ ሰርቂ ወርሒ፥ ክሳዕ ሰርቂ ወርሒ፥ ካብ ሰንበት ክሳዕ ሰንበት፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሰብ፥ ኣብ ቅድመይ ክሰግድ ክመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ከተማታት ግብፅን፥ ካብ ግብፂ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስን፥ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ እምባታት ክሳዕ እምባታት፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም።