15 ድሕሪ ደጊም ርእሲ ይኹን ጭራ፥ ስየ ይኹን ሰልሰላ፥ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ንግብፂ ኣይጠቕማን እዩ።
ፍረ ፃማኻ ኽትምገብ ኢኻ፤ ምስጉን ኢኻ፤ ሰናይውን ክኾነልካ እዩ።
ብስራሕ፥ ኵሉ ሃፍቲ ይርከብ፤ ብዙሕ ዘረባ ዝዛረባ ኸናፍር ግና ናብ ስእነት የብፅሓ።
እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝቐፅዖም ኣይተመለሱን፤ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን።
ኦም በለስ እንተ ዘየፍረየት፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ፍረ እንተ ዘይተረኽበ፥ ፍረ ኣውሊዕ እንተ ጐደለ፥ ገራሁታት ዝብላዕ እንተ ዘይሃቡ፥ ኣባጊዕ ኻብ ደምበ እንተ ጠፍኣ፥ ከፍትውን ኣብ ደምቤታት እንተ ተስኣና፥
ኣነውን ኣብ ልዕሊ ንዅሉ ምድርን ኣብ ልዕሊ እምባታትን፥ ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን፥ ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩምን ድርቂ ፀዋዕኹ።”