12 ፈርዖን፥ እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፂ ዝወሰኖ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጡ እንተ ደኣ ኾይኖምስ እስኪ ይንገሩኻ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ብሓቂ ኸምቲ ዝሓሰብክዎ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዝመደብክዎውን ክቐውም እዩ።
ከማይ ዝበለ መን ኣሎ? እስቲ ይለዓል እሞ ይዛረብ፤ ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝፈጠርኩሉ ጀሚሩ፥ ይዛረብ እሞ ይንገረኒ፤ ብዛዕባ እቲ ዝመፅእን፥ ክኸውን ዘለዎ ነገርን ኣቐዲሙ ይንገር።
እቶም ብዓይኖም ፈላጣት፥ ብርእሶምውን መስተውዓልቲ ዝኾኑ ወይለኦም!
“ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ቝፅሪ ኸተማታትካ እዮም፤ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ብጊዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምስ ይተስኡ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ ጥበበኛታት ካብ ኤዶምያስ፥ መስተውዓልቲውን ካብ እምባታት ኤሳውዶ ኣየጥፍእን? ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
ንፈርዖን “ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፥ ስመይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር እየ ዘተሳእኹኻ” ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ።
ጥበበኛ ደኣ ኣበይ ኣሎ? መምህር ሕጊኸ ኣበይ ኣሎ? ፈላስፋ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ? ኣምላኽዶ፥ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ?
ሽዑ ዜቡል “እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ? ዝበልካሉ፥ ኣፍካ ሕዚ ደኣ ኣበይ ኣሎ? እዙይ እቲ ዝነዓቕካዮ ህዝቢዶ ኣይኮነን? እምበኣር ሕዚ ወፂእኻ ተዋግኣዮ” በሎ።