Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 18:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 በቲ ጊዜ እቱይ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ፥ ልሙፅ ህዝቢ፥ ካብቲ ብመጀመርታ መደንገፂ ዝኾነ ወገን ካብ ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለት ህዝቢ፥ ናብታ ስም ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝርከበላ ቦታ፥ ናብ እምባ ፅዮን ገፀ በረኸት ክቐርብ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 18:7
17 Referencias Cruzadas  

ብዙሓት ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኦም ንእግዚኣብሄር መባእ፥ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኽቡር ውህብቶ ኣምፅኡ። ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ዅለን ሃገራት ንጉስ ሕዝቅያስ ልዕል ልዕል በለ።


ኵልኻትኩም ነገስታት ምድሪ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ ንጐይታውን ዘምሩ።


ካብታ ኣብ ምድረ በዳ ዘላ ሴላ፥ ናብቲ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዝሰልጠነ፥ ጡቦታት ኣባጊዕ ስደዱ።


ኣቱም ቅልጡፋት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙፅ ህዝቢ፥ ናብቲ ኸም መጀመርታ ዝተፈርሐን ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ከምቲ ብሙቐት ቀውዒ ለይቲ ዝወድቕ ኣውሊ ደበና፥ ከምቲ ብድሁር ቀትሪ እተንፀባርቕ ፀሓይ፥ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኮይነ ሃዲአ ኽምልከት እየ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሃብቲ ግብፅን ኢትዮጵያን ናትካ ክኸውን እዩ፤ እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ሰብ ሳባ ኸዓ፥ ንኣኻ ክኾኑ እዮም። ንሳቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም፥ ደድሕሬኻ ኽስዕቡ እዮም። ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱን፥ ‘ብሓቂ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ኻልእ ኣምላኽ ከቶ የለን’ እናበሉ ኽልምኑኻ እዮም።


ኣቲ ጓል ፅዮን ተልዒልኪ ኣኺዲ፤ ንቐርኒኺ ሓፂን፥ ንሸዀናኺ ነሃስ ክገብሮ እየሞ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትሰባብሪ ኢኺ፤ ኣነውን ነቲ ዝዘመትዎ ንእግዚኣብሄር፥ ሃብታቶምውን ንጐይታ ዅላ ምድሪ ኽቕድሶ እየ።


ንሳቶም ዘፍርሑን ዘደንግፁን እዮም፤ ፍርዶምን ክብረቶምን ካብኣቶም ይወፅእ።


እቶም ፋሕ ዝበሉ ናባይ ዝምህለሉ ደቀይ፥ ካብ ክንየው ሩባታት ኢትዮጵያ እንተይተረፈ መባእ ከምፅኡለይ እዮም።


ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ናብ ቤት ኣትዮም፥ ነቲ ህፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረአይዎ፤ ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ። ሳፁኖም ከፊቶም ከዓ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገፀ በረኸት ኣቕረቡሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos