6 ኵላቶም ኣደዳ ኣሞራታት እምባን፥ ኣደዳ ኣራዊት በረኻን ክኾኑ እዮም፤ ኣሞራታት ብኣኣቶም ክሓግዩ እዮም፥ ኵላቶም ኣራዊት በረኻ ድማ ኣብኣቶም ክኸርሙ እዮም” በለኒ።
ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ ዝተወግኡን፥ ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፥ ከም እተረግፀ ሬሳ፥ ከም ፍንፉን ጨንፈር ኴንካ ናብ መቓብርካ ተደርበኻ።
እንሆ ንሃገር ባቢሎናውያን ተመልከቱ፤ እቲ ህዝቡ ኸንቱ ኾይኑ ኣሎ። ኣሶራውያን መንበሪ ኣራዊት ምድረ በዳ ገበርዎ። ዝኸቡሉ ቕፅሮም ሰርሑ፤ ኣዳራሻ ኣፍረሱ፤ ዑናውን ገበርዋ።
ካብ ምብራቕ መንጣሊ ኣሞራ፥ ካብ ርሑቕ ሃገርውን፥ ምኽረይ ዝገብር ሰብ ክፅውዕ እየ፤ ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮውን እየ።
“ኣቱም ናይ ምድሪ ኣራዊት ኵልኻትኩም፥ ኣቱም ናይ ዱር ኣራዊት ኵልኻትኩም ክትበልዑ ቕረቡ፤
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣርባዕተ ዓይነት ቅፅዓት ክሰደሎም እየ፤ ንሳቶምውን፥ ሰይፊ፥ ንምቕታሎምን፥ ኣኽላባት፥ ንምጕታቶምን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም።
ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ።
ሬሳታት እዝ ህዝቢ እዙይ ብልዒ ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት በረኻን ክኸውን እዩ። ዘባርሮምውን ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጕንዱ፥ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፤ ኵሎም እንስሳ በረኻ ድማ ኣብ ጨንፈሩ ሰፈሩ።