5 ቅድሚ ቐውዒ፥ እዋን ዕምበባ ምስ ሓለፈ፥ ዕምበባ ኸዓ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ በፅሐ፥ ንሓረግን ንጫለዳ ሱርን፥ ካብ ተኽሊ ወይኑ ብቐሊሉ ቘራሪፁ ኸወግዶ እዩ።
ፍረ በለስ ጐጕቡ፥ ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ይህብ ኣሎ፤ ኣቲ ፍቕርተይ፥ ተስኢ፤ ፅብቕተይ ንዒ።
ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፥ ነታኽልቲ ወይንና ዘበላሽዋ ወኻሩት፥ ነተን ኣናእሽተይ ወኻሩት፥ ኣፃዊድኩም ሓዙልና።
እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከም ንጨናፍር፥ ብዘስካሕክሕ ሓይሊ ኽሰልዖም እዩ። እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ክቝረፁ፥ እቶም ልዑላት ከዓ ኽዋረዱ እዮም።
ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።