4 እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ከምቲ ብሙቐት ቀውዒ ለይቲ ዝወድቕ ኣውሊ ደበና፥ ከምቲ ብድሁር ቀትሪ እተንፀባርቕ ፀሓይ፥ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኮይነ ሃዲአ ኽምልከት እየ።
ንሱ ኸምቲ ናይ ንግሆ ብርሃን ከም ኣወፃፅዓ ፀሓይ፥ ከምቲ ብድሕሪ ዝናም ዘንፀባርቕ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ሳዕሪ ኸም ዘብቍል፥ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኸም ዝረአ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።
ነቲ ኣነ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልይዎ ፀሎት ስምዓዮ። እወ፥ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ቦታ፥ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስምዓዮ፤ ሰሚዕኻውን ይቕረ በል።
ንሱ ኸም ህቦ ኣብ ልዕሊ ሰውሒ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘንጠብጥብ ነጠብጣብውን ይወርድ።
ቍጥዓ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ኣውሊ እዩ።
ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”
ነቶም ልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢልካ ምምላስ ይግባእ? እግዚኣብሄር ንፅዮን ከም ዝመስረታ፥ እቶም ፅጉማት ህዝቡ ኸዓ ኣብኣ መፀግዒ ኸም ዝረኽቡ ዝብል እዩ።
በቲ ጊዜ እቱይ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ፥ ልሙፅ ህዝቢ፥ ካብቲ ብመጀመርታ መደንገፂ ዝኾነ ወገን ካብ ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለት ህዝቢ፥ ናብታ ስም ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝርከበላ ቦታ፥ ናብ እምባ ፅዮን ገፀ በረኸት ክቐርብ እዩ።
ምውታንካ ህያዋን ክኾኑ፥ ሬሳታትውን ክትስኡ እዮም፤ ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩሞ፥ ምድሪ እውን ንምውታን ክተውፅኦም እያሞ፥ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንቕሑ፤ ብሓጐስውን ዘምሩ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብሰንኪ ኽፍኣቶም ክቐፅዖም ካብ ስፍራኡ ይወፅእ ኣሎ፤ ምድሪ ኸዓ ንደማ ኽትቀልዖ እያ፤ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይትኽውሎምን እያ።
ካብ ራዕዲ ዝተልዓለ፥ ፅኑዕ ዕርዲ ኽፈርስ እዩ፤ እቶም መራሕቱውን፥ ካብ ሰንደቕ ዕላማኡ ዝተልዓለ ኽድንግፁ እዮም” ይብል እቲ ሓዊኡ ኣብ ፅዮን፥ እቶኑ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ እግዚኣብሄር።
ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”
“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር።
ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክኾኖ እየ፤ ከም ፅቡቕ ዕምበባ ኽዕምብብ እዩ፤ ከም ኣእዋም ሊባኖስ ከዓ ሰራውር ክሰድድ እዩ።
“በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ፥ ገፀይ ከዓ ኽሳዕ ዝደልዩ፥ ከይደ ናብ ቦታይ ክምለስ እየ፤ ብጊዜ መከራኦምውን ፈፂሞም ክደልዩኒ እዮም።”
ኣነ ኣብ ቅዱስ እምባይ ኣብ ፅዮን ዝነብር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ኽትፈልጡ ኢኹም። በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሩሳሌም ዝተቐደሰት ክትከውን እያ፤ ድሕሪዙይውን ጓኖት ኣይሓልፍዋን እዮም።
ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።