8 ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢታት ኣይጥምትን እዩ፤ ናብቲ በፃብዕቱ ዝገበሮ ጣዖታት ኣስታሮት ወይ ናብ ምስልታት ፀሓይ ድማ ኣይርእን እዩ።
ኣእወዩ፤ ዝረድኦም ግና ኣይነበረን፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን።
ነቲ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ናይ ዀረብታ መስገዲታትን ምስልታት ፀሓይን ኣወገዶ፤ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ህድኣት ረኸበት።
እዝ ዅሉ ምስ ተፈፀመ፥ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ኸዱ እሞ፥ ነቲ ኣዕምዲ ጣዖት ሰባበርዎ፤ ነቲ መምለኺ ኣፀዳትውን፤ ነቲ ኣብ ኵሉ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ዘሎ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፈራረስዎ። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፥ ናብ ከተማታቶም ተመለሱ።
ነቲ መሰውኢታት በዓልውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ምስሊ ፀሓይን መምለኺ ኣፀዳትን ቈራረፆ፤ ነቲ ዓምዲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ኣድቂቑ ሰባበሮ፤ ኣብ መቓብር እቶም ዝስውኡሎም ዝነበሩ ሰባት ድማ በተኖ።
መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ስበሩ፤ እቲ ናይ መምለኺ ዓፀዳቶምውን ቍረፁ።”
ብዝፈተኹምዋ ኦም ኣድባር ክትሓንኩ ኢኹም፤ በቶም ዝመረፅኩምዎም ኣታኽልቲውን ክትሓፍሩ ኢኹም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝተረፉን፥ እቶም ካብ ቤት ያእቆብውን ዝደሓኑን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክእመኑ እዮም እምበር፥ ድሕሪ ደጊም ኣብቶም ዝወቕዕዎም ኣይእመኑን እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምተን ኣሞራውያንን ኤዊያውያንን፥ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እትሓድጋ ቦታታት ዝባደማ፥ እተን ፅኑዓት ከተማታት ክባድማ እየን።
ሃገሮም ብጣዖታት ዝመልአት እያ፤ ነቲ በኣፃብዕቶም ዝሰርሕዎ ግብሪ ኣእዳዎም ይሰግዱ።
እቲ ንጣዖት ዝስውኡሉ እምንን መሰውኢ ዕጣንን፥ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ምስ ኣፍረሰን፥ ከም ኖራ ምስ ጠሓነን እዩ፥ በደል ያእቆብ ዝስረየሉ፤ እዙይውን ፍረ ምውጋድ ኵሉ ሓጢኣት እዩ።
ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።
ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርበይዎም፤ ንሳቶም ስራሕ ኢድ ሰብ፥ ዕንፀይትን እምንን እዮም እምበር፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ኣጥፍእዎም።
እንሆ ዅላቶም ከንቱ እዮም፤ ተግባሮም ከዓ ብላሽ እዩ፤ እቶም መኺኾም ዝተሰርሑ ጣዖታቶምውን፥ ንፋስን ከንቱን እዮም።”
ንምንዳድ ድማ ይጠቅም፤ ኣንዲዱ ይስሕነሉን እንጀራ ይስንክተሉን፤ ገሊኡ ኸዓ ፀሪቡ ኣምላኽ ይሰርሐሉ እሞ የምልኾ፤ ጣዖት ሰሪሑውን ይሰግደሉ።
ደቆምውን ነቶም ንዝኽሪ ጣዖት ኣስታሮት ተብሂሉ ዝተሰርሐ መሰውኢታትን ምስልታትን፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኸ ኾረብታታትን ዘለዉ ይዝክሩ ኣለዉ።
ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።
ካብ ደጊም፥ ጣዖት ንኤፍሬም እንታይ እዩ? ኣነ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ናብኡ ድማ ኽጥምት እየ። ኣነ ኸም ዝለምለመ ፅሕዲ እየ፤ ፍረኻውን ኣባይ እዩ ዝርከብ።
ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕል ጠቢብ፥ ዝፈልጦ መስተውዓሊኸ መን እዩ? መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ፃድቃን ብእኡ ይመላለሱ፤ ዓመፅቲ ግና ይሰናኸሉ።
“ንሰብን እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ከጥፍኦም እየ፤ ንመዐንቀፊታት ምስቶም ክፉኣት ከጥፍኦም እየ፤ ንደቂ ሰብውን፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ንኣኣቶምስ ከምዙይ ደኣ ግበርዎም፦ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶምውን ሰባብሩ፤ ዘምልኹሉ ኣፀዶም ቍረፁ፤ ዝተፀርበ ምስልታቶምውን ብሓዊ ኣቃፅሉ።