6 ከምቲ ኣውሊዕ ምስተነነወ፥ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕለዋይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ፍረ፥ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከዓ፥ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ውሑድ ቀሪም ክተርፍ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።”
ኣነ ግና ንጣዖት በዓል ክሰግዱሉ ኢሎም ዘይተምበርከኹን ንምስሉ ብኣፎም ዘይተሳለሙን ኣብ እስራኤል ሸውዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ኣትሪፈ ኣለኹ” በለ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና።
ኦ እስራኤል፥ ህዝብኻ ኸም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ ኾኑ፥ እቶም ተረፍ ጥራሕ ክምለሱ እዮም። ዓብዪ ጥፍኣት ተኣዚዝዎ እዩ፤ እዙይውን ንፅድቂ ኸውሕዞ እዩ።
ኦም ኣውሊዕ እንትውቃዕ፥ ዘለላ ወይኒ እውን እንትቝረፅ ቀሪም ከም ዝቕረም፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝብታትውን ከምኡ ክኸውን እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኻብ ወሓዚ ፈለግ ኤፍራጥስ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ፈለግ ግብፂ እኽሉ ኸኽይድ እዩ፤ ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኵላ እታ ምድሪ ኽትባድም እያ፤ ግና ፈፂመ ኣየጥፍኣን እየ።”
ድሕሪ ደጊም ገፀይ ኣይክኽውለሎምን እየ፤ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ኣፍሲሰ እየሞ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሰረቕቲ ናባኻ እንተ መፁ፥ ወይ ከተርቲ ብለይቲ እንተ መፁኻ፥ ዝኣኽሎም ዝሰርቁዶ ኣይኮኑን? ወይኒ ዝቘርፁ ናባኻ እንተ መፁ ቐሪምዶ ኣየትርፉን? ንስኻ ግና ኸመይ ኢልካ ጠፋእኻ!
ፍረ ኦምን ፍረ ወይንን ምስተኣረዩ፥ ከም ዝተረፈ ቐሪም ኮይነ ኣለኹሞ ወይለይ! ንምግቢ ዝኸውን፥ ነፍሰይውን ዝተመነየቶ፥ ኣቐዲሙ ዝበሰለ በለስውን የለን።
ከምቲ መፅሓፍ “መድሓኒ ኻብ ፅዮን ክመፅእ እዩ፤ ካብ ዘርኢ ያእቆብ ሓጢኣት ከርሕቕ እዩ፤ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸዓ፥ እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ” ዝብሎ፥ እስራኤላውያን ብምሉኦም ክድሕኑ እዮም።
ኢሳይያስውን ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፦ “ቍፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ በዝሐ፥ እቲ ተረፍ ጥራሕ እዩ ዝድሕን።
እግዚኣብሄር ናብ ማእኸል ህዝብታት ክብትነኩም እዩ፤ ኣብ መንጎ እቶም ተሰዲድኩም እትኸድዎም ህዝቢ ኸዓ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም።
ንሱ ድማ “እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ምስቲ ናታትኩም ክነፃፀር እንተሎ ኣብ ቍፅሪ ዝኣቱ ኣይኮነን፤ ደሓር ከዓ ኻብ ምህርቲ ወይኒ ኢይዝራኤልስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይሐይሽን?