Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 17:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ከምቲ ዓፃዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ፥ ብኢዱ ኣኪቡ ነቲ ጕንቦ ዝዓፅዶ ክኸውን እዩ። ኣብ ለሰ ራፋይም ዝቕረም ከምኡ ክኸውን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 17:5
13 Referencias Cruzadas  

ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ።


ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ደዪቦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ።


ደረቕ ሳዕሪ ምስ ተዓፀደ፥ ሓዲሽ ለምለምውን ምስተርኣየ፥ ኣብ እምባታት ዘሎ ሰኾይ ከዓ ምስ ተኣከበ፥


ግና በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ እኳ እንተ በቘለ፥ ብፅባሒቱውን እንተ ዓምበበ፥ በታ መዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን፥ እቲ ቐውዒ ኸንቱ ክኸውን እዩ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እታ ጓል ባቢሎን ከም ዝርገፅ ዘሎ ዓውዲ እያ፤ ቁሩብ ፀኒሑ ድማ ቐውዒ ኽመፃ እዩ።”


ሬሳታት እቶም ሰባት፥ ከምቲ ደድሕሪ ዓፃዲ ዝእክቦ ዘይብሉ ቐሪምን፥ ከም ኣብ ግራት ዝወደቐ ድዅዕን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


“ኦ ይሁዳ ናይ ህዝበይ ምርኮ ብዝምለሰሉ ጊዜ ንኣኻውን ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።”


ክፍኣቶም ስለ ዝበዝሐ፥ ቀውዒ በፂሑ እዩ እሞ፥ ማዕፂድ ስደዱ፤ እቲ መፅመቚ መሊኡ፥ ኣጋንእ ከዓ መሊኡ የንጠብጥብ ኣሎ እሞ ንዑ ርገፁ።


ክሳዕ ቐውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም፤ ብእዋን ቀውዒ ነቶም ዓፃዶ፥ ቅድም ነቲ ኽርዳድ በቁስዎ፤ ክነድድ ድማ በብእንዳእቲ እሰርዎ፤ ነቲ ስርናይ ግና፥ ኣብ ቆፎይ ኣእትውዎ’ ኽብሎም እየ” በሎም።


በቲ ለሰ ወዲ ሄኖም ገይሩ፥ ናብ ፀግዒ ደቡብ ናብታ ኢያቡሳውያን ዝነብርዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም ይድይብ። ናብ ወገን ምዕራብ፥ ናብ ሰሜናይ ወሰን ለሰ ራፋይም፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰ ሄኖም ዘሎ እምባ ይድይብ።


ቀፂሉ ኸዓ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንፅር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ እምባ ይወርድ፤ እዙይ ንለሰ ራፋይም ብሰሜኑ እዩ። ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ፀግዒ ደቡብ ኢያቡሳውያን ኣንቈልቊሉ፥ ናብ ዔንሮጌል ይወርድ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos