13 ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።
ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ሓሰር፥ ኣውሎ ንፋስውን ከም ዝወስዶ ብቝብቝ ዝኾኑ ኽንደይ ጊዜ እዮም?
“ክሳዕ ኣብዙይ ብፃሕ፤ ካብዙይ ንንየው ኣይትሕለፍ፤ እቲ ብርቱዕ ናህሪ ማዕበላትካውን ካብዙይ ኣይሕለፍ” በልኩ።
እቶም ክፉኣት ግና ኸምዙይ ኣይኮኑን፤ ንሳቶም፥ ከምቲ ንፋስ ፀሪጉ ዝወስዶ በነንታ እዮም።
ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ በነንታ ይኹኑ፤ መልኣኽ እግዚኣብሄር የጨንቆም።
ንመዓሙቕ ባሕርን ንድምፂ ማዕበሉን ተናውፅ ኢኻ።
ካብ ተኣምራትካ ዝተልዓለ ኣህዛብ ይድንግፁ፤ ኣብ ወሰን ምድሪ ዝነብሩውን ይፈርሑ፤ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን መውፅኢ ድማ ተሐጕሶም።
ንኣህዛብ ገሰፅካዮም፤ ንኽፉኣት ከዓ ኣጥፋእኻዮም፤ ስሞም ከዓ ንዘለኣለም ደምሰስካዮ።
ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰብሮ እየ፤ ኣብ እምባታተይ እውን ክረግፆ እየ። ኣርዑቱውን ካብ ልዕሊኣቶም ክለዓል፥ እቲ ሸኽሚውን ካብ ማእገሮም ክወርድ እዩ።
ካብ ኣስይፍቲ፥ ካብ ዝተመዘዘ ሰይፊ፥ ካብ ዝተገተረ ቐስቲ፥ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሃዲሞም ይመፁ ኣለዉሞ።
ጠቕሊሉ ኸንከባልለካ፥ ከም ኵዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ምድሪ ኽድርብየካ እዩ፤ ኣታ ነውሪ ናይ ቤት ጐይታኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፤ እተን ክብርኻ ዝኾና ሰረገላታት ድማ ኣብኡ ክኾና እየን።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ዓቢይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፥ ነቲ ቕልጡፍ ተመን ንሌዋታን፥ ነቲ ዝጠዋወ ተመን ንሌዋታን ክቐፅዖ፥ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከዓ ኽቐትሎ እዩ።
ብዝሓት ፀላእትኺ ግና ኸም ልሑም በነንታ፥ እቶም መጨነቕትኺ ኸዓ ኸም ዝሓልፍ ብቝቡቕ ክኾኑ እዮም፤ እዙይውን ብድንገት ክኸውን እዩ።
እስትንፋሱ ኸምቲ ንዅሉ ፀራሪጉ ዝወስድ፥ ክሳዕ ክሳድ ድማ ኸም ዝበፅሕ ምልኣት ማይ ውሕጅ እዩ፤ ንሱ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብመንፊት ጥፍኣት ይነፍዮም፤ ኣብ ምንጋጋ ህዝብታት ድማ፥ ዘጋጊ ልጓም ከእቱ እዩ።
ንሱ እዩ ዕፃ ዘውደቐሎም፥ ኢዱውን ብገመድ ከፈለትሎም። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ይገዝእዋ፤ ንውሉድ ወለዶውን ክነብርዋ እዮም።
እንሆ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣብ ዕትሮ ኸም ዘላ ሓንቲ ነጥቢ ማይ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ከም ዘላ መንገፍ እዮም ዝቝፀሩ፤ ንደሴታትውን ከም በነንታ የልዕሎም።
ገና ምስ ተተኸሉን ምስ ተዘርኡን፥ ኣብ ምድሪ እውን ሱር ምስ ሰደዱ፥ ንሱ ኡፍ በሎምሞ ነቐፁ፤ ንፋስ ኣውሎ ከዓ ኸም ብቝቡቝ ፀራረጎም።
እንሆ፥ ኵሎም እቶም ዝቝጥዑኻ፥ ክዋረዱን ክሓፍሩን እዮም፤ መፃርርትኻ ድማ፥ ከም ዘይነበሩ ክኾኑን ክጠፍኡን እዮም።
ምእንትዙይ እንሆ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓቢይን ፈለግ፥ ንሱ ኸዓ ንንጉስ ኣሶርን ምስ ኵሉ ኽብሩን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከምፅአሎም እዩ፤ ንሱውን ንዅሉ ደንደሱ ኽሓልፎን ኣብ ኵሉ ገማግሙ ኽውሕጅን እዩ።
ሽዑ እቲ ሓፂንን መሬትን ነሃስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሸሸ፤ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ድማ ኾነ፤ ኣሰሩ ኽሳዕ ዝጠፍእውን ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ እምባ ኾነ፤ ንዅላ ምድሪ እውን መልኣ።
ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም።